ኬንያ፣ ንሶማላዊ ዲፕሎማሰኛ ምቕያዳ ትኹነን

ኬንያ፣ ንሶማላዊ ዲፕሎማሰኛ ምቕያዳ ትኹነን

Radio Erena: April 28, 2014

Somali Diplomar

ፖሊስ ኬንያ ንሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኤምባሲ ሶማል ኣብ ናይሮቢ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ፣ ፓርላማ ሶማል ብትሪ ተቓዊምዎ።

ረሻሽ ብዝዓጠቓ መካይን ዝተሰነዩ ፖሊስ ኬንያ ናብ መንበሪ ገዛ እቲ ሲያድ መሐመድ ሺረ ዝተባህለ ሶማላዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ብምእታዉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ሒዞሞ ከምዝኸዱ ዝሓበረ ኣፈኛ ፓርላማ ሶማል፣ እቲ ፍጻሜ ኣህጉራዊ ሕግታት ዝጥሕስ’ዩ ክብል ኮኒኑ።

እቲ ሶማላዊ ዲፕሎምሰኛ፣ ንዝተወሰነ ሰዓታት ድሕሪ ዝተኻየደሉ መርመራ ክልቐቕ እኳ እንተኸኣለ፣ ዝተጠርጠረሉ ምኽንያት ግና ኣይተሓበረን።

 

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኬንያ ምስ ኣልሸባብ ምትእስሳር ኣለዎም ኢሉ ንዝጠርጠሮም ሶማላውያን ይኹኑ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ 2009’ውን ኬንያ ብተመሳሳሊ ክዚ ንዝጠርጠረቶ ሰራሕተኛ ኤምባሲ ኤርትራ ናብ ዓዱ ከምዝሰጎጎት ኣይርሳዕን።

ጉዳይ ኣልሸባብን ካልኦት ዕጡቓት ሶማልን ኣሻቒልዎ ዝርከብ መንግስቲ ኬንያ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ንዝበሎም ልዕሊ 5 ሽሕ ሶማላውያን ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፣ ነቶም ልዕሊ 100 ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ዓዶም ሰጉጉዎም’ዩ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0