ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራን የመንን ልዕሊ 56 ኩንታል ሓሽሽ ከምዝተታሕዘ ተገሊጹ

ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራን የመንን ልዕሊ 56 ኩንታል ሓሽሽ ከምዝተታሕዘ ተገሊጹ

Radio Erena: April 28, 2014

Red Sea Drug

ኣብ ቀይሕ ባሕር ኣብ ሓለዋ ተዋፊሩ ዝርከብ ሓባራዊ ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ምዕራብ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ፣ የመንን ዖማንን ልዕሊ 56 ኩንታል ሓሺሽ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሓይልታት ባሕሪ፣ ኣመሪካ፣ ሃገራት ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ዝቖመ ሓባራዊ ሓይሊ ባሕሪ፣ ካብ ኣፍጋኒስታንን ካልኦት ሃገራት ኤስያን ዝፈሪ ዝተፈላለየ ዓይነታት ዕጸፋርስ፣ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ከይሰጋገር’ዩ ዝቖጻጸር፣

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይ ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ካናቢስ ሄሮይንን ዝዓይነቱ ዕጽፈራስ ኣብ ቁጽጽር ከምዝወዓለ ዘረጋገጸ ኣዛዚ ናይቲ ሓባራዊ ሓይሊ ባሕሪ፣ ኮማንደር ዳርሊ ቤቲስ፣ እቲ 56 ኩንታልን ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ፣ የመንን ዖማንን ከምዝተታሕዘ ኣረዲኡ።

 

ኣስታት 15 ኩንታል ሓሽሽ ድማ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል፣ ኬንያን ታንዛንያን ከምዝተታሕዘ ጠቒሱ።

እቲ ሓባራዊ ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ምዕራብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ወሽመጥ ዓደንን ወሽመጥ ዖማንን 15 መራኽብ ብምውፋር፣ ኣብ ኣፍጋኒስታን ካልኦት ሃገራት ኤስያን ንዝፈሪ ሓሽሽ ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ንኸይሽየጥ ዝቖጻጸር ፍሉይ ሓይሊ ዕማም’ዩ።

ኣብ ኣፍጋኒስታንን ካልኦት ሃገራት ኤስያን ዝፈሪ ሓሽሽ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ሓሊፉ ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን እናተሸጠ ካብ ዝርከብ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት፣ ናብ ኢድ ዕጡቓት ጉጅለታት ይውዕል ኣሎ ክብላ’የን ሃገራት ምዕራብ ዝወቕሳ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0