ኬንያ፡ ኡሁሩን ብሊንከንን ብጉዳይ ኢትዮጵያን ሶማልያን ተዘራሪቦም

Radio Erena: 30 December 2021

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከንን ብጉዳይ ሰላም ኢትዮጵያን ሶማልያን ተዘራሪቦም።

ክልቲኦም ሰበ ስልጣን ብተሌፎን ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ብተወሳኺ ብዛዕባ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘለዎ ሓባራዊ ጥቕምን ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ዘሰክፍ ምዕባለታት ከምዝተዘራረቡ ኣፈኛ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ነድ ፕራይስ ሓቢሩ።

ንሳቶም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብኩሎም ወገናት ዝግበር ተጻብኦ ብህጹጽ ደው ክብል፡ ምጉዕጻጽ ሰብኣዊ መሰላት መግትኢ ክግበረሉ፡ ንሰብኣዊ ሓገዝ መገዲ ክኽፈት፡ ግጭት ደው ንምባል ዝርርብ ክግበር ጸዊዖም።

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ኩሎም ወገናት ኣብ ምቅርራብ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ኣሞጉሱ።

ንሶማልያ ብዝምልከት ድማ፡ ዕንቅፋት ሰላም ኮይኑ ዘሎ ፕረዚደንታውን ባይቶኣውን ምርጫ ብህጹጽ ክካየድ፡ ብፕረዚደንት መሓመድ ፎርማጆ ካብ ስልጣን ዝተኣየ ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ናብ ቦትኡ ክምለስ ጸዊዖም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0