መጽሄት ‘ኒው ኣፍሪካ’፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣብ መንጎ 100 ጸለውቲ ሰባት ረቑሑ

Radio Erena: 30 December 2021

መጽሄት ‘ኒው ኣፍሪካን’ ኣብ ዘውጸኦ ዝርዝራስማት 100 ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን 2021፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ረቑሑ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ፥ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ዝነጥፋ ኣይዳ ሃብረጽዮን፡ ኣስመረት ኣሰፋውን ትምኒት ገብሩን ኮይነን ኣብ ‘ሰራሕቲ ለውጢ’ (changemakers) ዝብል ምድብ ተሰሪዐን ኣለዋ።

ኣይዳ ሃብረጽዮን፡ ሓኪምን ክኢላ ስነ-ብየና (immunologist) ኮይና ኣብ ኣስመራ – ኤርትራ ዝተወልደት ተቐማጢት ካናዳ እያ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ዘማዕብል ኩባንያ ምፍራይ መድሃኒት ፋይዘር በዓልቲ መዚ ድሕነትን ኣጠቓቕማ ክታበትን ኮይና ትሰርሕ ኣላ።

ኣስመረት ኣሰፋው በርሀ ብተመሳሳሊ ኣብ ኣስመራ – ኤርትራ ዝተወልደት ተቐማጢት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እያ፡ ንሳ ‘ባዮጆኦኮሚስት’ን ‘ፖለቲካል ኢኮሎጂስት’ን ኮይና ኣብ ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዳይረክተር ስነ-ፍልጠት ኮይና ክትሰርሕ ተረቑሓ ኣላ።

ትምኒት ገብሩ ብወገና ኣብ ኣዲስ ኣበባ – ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራውያን ወለዲ ዝተወልደት ድሒራ ኣብ ንኡስ ዕድሜኣ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዒዛ፡ ንሳ ተመራማሪት ሰብ ሰርሖ ብልሒ Artificial intelligence (AI) ኮይና ኣብ ማክሮሶፍት፡ ኣፕልን ጉግልን ሰሪሓ። ኣብዚ ሕጂ እዋን (DAIR) ዝተሰምየ ናይ ገዛእ ርእሳ ኢንስቲቱት ምርምር ሰብ ሰርሖ ብልሒ መስሪታ ኣላ።

ኤርትራውያን ወይ ኤርትራዊ መበቆል ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሐን ምርኣይ ዘሐጎሶም ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ደስታኦም ይገልጹ ኣለዉ።

===============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0