ካብ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ሃገር ዝምደቡ ዲፕሎማሰኛታት፣ ስድራቤታቶም ሒዞም ክወጹ ክፍቐደሎም ይሓቱ

Radio Erena: 23 January 2017

MOF

ዲፕሎማሰኛታት መንግስቲ ኤርትራ፣ ናብ ዝተመደብሉ ሃገራት ስድራቤታቶም ሒዞም ክኸዱ ክፍቐደሎም ብተደጋጋሚ ይሓቱ ከምዘለዉ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኣምባሳደራት ዝርከብዎም ዲፕሎማሰኛታት፣ ደቆምን ይኹኑ ሰብ ሓዳሮም ሒዞም ናብቲ ዝተመደብሉ ሃገራት ክገሹ፣ ወጻኢታት መንግስቲ ክበዝሕ’ዩ ዝብል ምኽንያት ይወሃቦም እኳ እንተሎ፣ እቲ ኣውራ ጠንቒ ግና ንኸይሃድሙ ብስድራቤታቶም ጅሆ ንምሓዞም ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ንፍሉይ ረብሓ፣ ሓለፋ ዝተገብረሎም እንተዘይኮኖም፣ ካብ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ሃገር ዝምደቡ ዲፕሎማሰኛታት፣ ደቆም ኮነ ሰብ ሓዳሮም ሒዞም ክወጹ ኣይፍቀድን’ዩ።

እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተመደቡ ኣምባሳደራት ወርሓዊ ደሞዞም 2000 ዶላር ብምዃኑ፣ ብውልቆም ኣጋይሽ ብምዕዳም ናይ ‘ሎቢ’ ስራሕ ይኹን ካልእ ዕማማት ንኸሰላስሉ ከምዝጽገሙ፣ ብተደጋጋሚ እዋን ከምዘማርሩ ጠቒሱ።

ካብ ኣምባሳደር ንታሕቲ ዝርከቡ ከም ቀዳማይ ጸሓፊን ቆንስልን ኮይኖም ዝምደቡ ድማ ካብ 800 ክሳብ 900 ዶላር’ዮም ዝኽፈሉ።

እቶም ዲፕሎማሰኛታት ምስ ናብራ ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ብምዝማድ፣ ደሞዝ ውሒዱና ኢሎም ከምዘማርሩ’ዩ ዝንገር።

እንተኾነ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተሰልዓልኩም ደሞዝ ትኽፈልዎ ስለዘለኹምን ናይ ገዛ ክራይን ካልእ ወጻኢታትን ከኣ ብመንግስቲ ስለዝሽፈን፣ እዚ ኣብ ወጻኢ ትኽፈልዎ ኣበል’ዩ እምበር ደሞዝ ኣይኮነን ዝብል ግብረ መልሲ’ዩ ዝወሃቦም።

በንጻር እዚ፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝምቕማጦም ኤርትራውያን ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ኣብ ዝምድበሉ እዋን፣ ካብቶም ካብ ኤርትራ ዝምደቡ፣ ብክልተ ዕጽፊ ደሞዝ ከምዝኸፍሎም’ውን እቶም ካብ ኤርትራ ዝምደቡ ዲፕሎማሰኛታት የማርሩ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0