ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝሰግሩ ዝነበሩ 91 ኤርትራውያን ተጨውዮም

Radio Erena: 23 January 2017

Eastern Su

ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝሰግሩ ዝነበሩ 91 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ መንነቶም ብዘይተፈልጠ ዕጡቓት ምብራቕ ሱዳን ከምዝተታሕዙ ንስደተኛታት ዝጣበቕ ትካል ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ‘The Eritrean Initiative on Refugee Rights’ (EIRR) ዝተባህለ ትካል፣ ናብ ሬድዮ ኤረና ዝልኣኾ ሓበሬታ፣ እቶም 11 ቆልዑን 25 ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሶም ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም’ዮም፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ተታሒዞም።

ራሻይዳን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዕጡቓትን፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ስደተኛታት ብምጭዋይ፣ ስድራቤታቶም ገንዘብ ክኸፍሉሎም ከምዘገድዱ ዝፍለጥ’ዩ።

እዞም ኣብ ምብራቕ ሱዳን ተታሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ንኽልቀቑ፣ ነፍሲ ወከፎም ክሳብ 2 ሽሕ ዶላር ክኸፍሉ ይሓትዎም ምህላዎም’ውን፣ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስድራቤታቶም ነቲ ተጣባቒ ትካል ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ የመልክቱ።

===================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0