ካብ ኣልሸባብ ከቢድ ብድሆ ዝገጠማ ሶማል፣ ምውጻእ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ክደናጎ ሓቲታ

Radio Erena: Tuesday, 03 October 2023

ካብ ኣልሸባብ ከቢድ ብድሆታት ገጢምዎ ዘሎ መንግስቲ ሶማል፣ ምውጻእ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ክደናጎ ብወግዒ ሓቲቱ።

ሰራዊተን ኣብ ሶማል ኣዋፊረን ዝርከብ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ጂቡቲ፣ ብሩንዲን ኬንያን ንጻውዒት መንግስቲ ሶማል ብምቕባል፣ ምስሓብ ሰራዊተን ካብታ ሃገር ንሰለስተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ተሰማሚዐን።

መንግስቲ ሶማል፣ ምውጻእ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ክናዋሕ ዝሓትት ዘሎ፣ ኣብ ዞባታት ሒርሸቤለን ጋልምዱግን ኣንጻር ኣልሸባብ ዘበገሶ ካልኣይን ወሳንን መድረኽ መጥቃዕቲ፣ ዝበዝሐ ክፋሉ ስለዝፈሸለ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣልሸባብ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጸረ መጥቃዕቲ፣ ኣቐዲሙ ዝሓደጎ ሰፊሕን ስትራቴጃውን ከባቢታት ደጊሙ ክቖጻጸሮ እንከሎ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ ድማ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉዳት ከምዘውረደ እቲ መንግስቲ ባዕሉ ተኣሚኑ’ዩ።

ይኹን’ምበር እቲ ሰራዊት ዳግመ ውዳበ ብምክያድን፣ ኣመሪካ ናይ ትርከበን መሻርኽቲ ድጋፍ ብምሕታትን ዝጀመሮ ካልኣይ መድረኽ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ካብ ኣልሸባብ ብዝተፈነወሉ ጸረ መጥቃዕቲ፣ ካብ ብዙሕ ከባቢታት ንዝሰሓበ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ኣብ ግንባራት ዑደት ብምክያድ፣ ሞራል ክብን ከተባብዕን ‘ዩ ቀንዩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣቐዲሙ፣ ሶማል ኣብ 2024 ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምእትኸውን’ዩ ተመባጺዑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ክሳብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ 2024፣ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዝርከብ ልዕሊ 20 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ጠቕሊሉ ክወጻእን፣ ነዚ ብዝሒ ድማ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ብዝስልጥን ዘሎ ሰራዊት ሶማል ክትክኦን ምምዳቡ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ኣብዚ ተጀሚሩ ዘሎ ካልኣይ መድረኽ መጥቃዕቲ ኣንጻር ኣልሸባብ፣ ካብ ትጽቢትን መደብን እቲ ፕረዚደንት ወጻኢ ብዝኾነ፣ ንሰራዊት ሶማልን መሻርኽቱን ከቢድ ብድሆታት ገጢምዎም ይርከብ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0