ኢትዮጵያ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደግ ክትውንን ናይ ህላዌኣ ሕቶ’ዩ ክብል ኣምባሳደራ ኣብ ቤልጁምን ትካላት ሕብረት ኤውሮጳን ገሊጹ

Radio Erena: Tuesday, 03 October 2023

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ክትውንን ናይ ህላዌኣ ሕቶ ምዃኑ፣ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ቤልጁም፣ ሉክዘምበርግን ትካላት ሕብረት ኤውሮጳን፣ ኣቶ ግሩም ኣባይ ገሊጹ።

ንሱ፣ ብቋንቋ እንግሊዝ ምስ እትሕተም፣ ብመንግስቲ እትውነን ጋዜጣ ዘ ሄራልድ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ኢትዮጵያ ብኸመይ መንገዲ ዘየቛርጽ ውሕስነት ኣፍደገ ባሕሪ ትውንን ዝብል ጉዳይ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣገዳሲ ክኽውን ዘለዎ ሕቶ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ሓያላን ሃገራት፣ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን መሰለ ከምዘለዋ ይእምና’የን ዝበለ እቲ ኣምባሳደር፣ እቲ ዝስዕብ ነጥቢ ብኸመይ ኣገባብ ንጎረባብቲ ሃገራት ተእምንን’ዩ ክብል ኣገንዚቡ።

ሓደ ካብኡ ድማ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ጥቡቕ ዝምድና ብምጥቃም ዝካየድ ዘተን ምርድዳእን ምዃኑ ኣምባሳደር ግሩም ኣሚቱ።

ኣቐዲሙ’ውን፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪን ጸጥታን ብዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንሕቶ ወደብ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ከቕርብ ከምዝተማሕጸነ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ሓቢራ’ያ።

እቲ ብኢንስቲትዩት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኮሌጅ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ተወዲቡ ብ24 መስከረም ዝተኻየደ፣ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪን ዋንነት ወደብን ኣተኵሩ ዝተጋብአ ዋዕላ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንዘይብላ ኢትዮጵያ፣ ማዕረ’ተን ካልኦት ንቀይሕ ባሕሪ ዝጓየያሉ ዘለዋ ሓያላን ሃገራት፣ ሓያል እትኾነሉ ሓደ መንገዲ፣ ኣብቲ ክሊ ማይ ዝህልዋ ጽልዋ ምስ ዝዓቢ ጥራይ ምዃኑ’ዩ መኺሩ።

ምክትል ዋና ዳይረክተር ኢንስቲትዪት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ኣቶ መሳፍትን ተፈራ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኢትዮጵያ ካብ ፖለቲካ ቀይሕ ባሕሪ ገሊልካ ምቕጻል ስለዘይክኣላ፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ግዴኣ ክትጻወት ኣለዋ ከምዝበለ’ዩ ተመልኪቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ምስ ዝተፈላልዩ ኣውፈርትን ኣካይድቲ ሜድያታትን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ ኣማራጺታት ወናኒት ወድብ ክትከውን’ያ ክብል ከምዝተዛረበ ክግለጽ ምቕናዩ’ውን ዘ ሪፖርተር ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ ኣላ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991፣ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ዝተረፈት ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝተፈላለየ ኣማራጺታት ወናኒት ወደብ ክትከውን’ያ ዝብል መግለጺ ይደጋገም ምህላዉ፣ ምስ ሉኣላውነት ብዝተሓሕዝ ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ወጥሪ ከስፍን ከምዝኽእል ተንተንቲ ይእምቱ።

ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ኢትዮጵያ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ካብ ኤርትራ ክትረክብ ምዃና ተጠቒሱ እኳ እንተነበረ፣ ዛጊት ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።

ወደብ ዓሰብ፣ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ተተሓሒዙ፣ ንፍሉይ ጉዳያት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ነገራት ንመራኽብ ኢትዮጵያ ከኣንግድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ወደባት ኤርትራ፣ ኣብ ንግድን ወፍሪን ንዝተኮረ ኣገልግሎታት ንኢትዮጵያ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዕጽው’ዩ ዘሎ።

ልዕሊ 95% ናይ ወደብ ኣገልግሎታታት ኣብ ጂቡቲ እትምርኮስ ኢትዮጵያ፣ ኣምራጺታት ንምንዳይ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን መንግስቲ ኬንያን ስምምዓት ከቲማ’ያ።

 

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0