ከሰላ፣ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቲሎም

ከሰላ፣ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቲሎም

Radio Erena: 20 October 2017

eritreans kassala

ኣብ ከሰላ፣ ኣብ መንጎ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ሓይልታት ጸጥታን እቲ ዞባ ብዝተኻየደ ግጭት ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐትሉ ሬድዮ ዳባንጋ ሓቢራ።

እታ ሬድዮ ብዘቕረበቶ ጸብጻብ መሰረት፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣብ ዝሃድንሉ ዝነበሩ እዋን፣ እቲ ግጭት፣ ኤል ሳዋቒ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብ11 ጥቅምቲ’ዩ ተኻይዱ።

ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ከሰላ ሜጀር ጀነራል ያህያ ኤል ሃዲ ሱሌማን ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብቲ ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ 20 ካልኦት ግና ናጻ ከምዝወጹ’ዩ ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ’ውን ተወጊኡ ኣብ ከሰላ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ከምዘሎ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ከሰላ ኣብ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት፣ ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን እታ ሃገር’ውን ኢድ ከምዘለዎም ይውቀሱ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0