ካብ 10 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተዋጽአ ሰራዊት፣ ኣብ ፖርት ሱዳን ልምምድ ከካይድ’ዩ

ካብ 10 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተዋጽአ ሰራዊት፣ ኣብ ፖርት ሱዳን ልምምድ ከካይድ’ዩ

Radio Erena: 20 October 2017

EASF training

ካብ 10 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተዋጽአ ሰራዊት፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ፖርት ሱዳን ሓባራዊ ልምምድ ከካይድ’ዩ።

እቲ ብድሉው ሓይሊ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝፍለጥ ሰራዊት፣ ኣብ ከባቢ ፖርት ሱዳን ሓባራዊ ልምምድ ከካይድ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ፣ ዳይረክተር ናይቲ ዞባዊ ሓይሊ ዓብዲላሂ ዑመር ቡህ ብ17 ጥቅምቲ ኣብ ሩዋንዳ ብምብጻሕ ምስ ሚኒስተር ምክልኻልን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ድሕሪ ምርኻቡ’ዩ።

ጁቡታዊ ዓብዲላሂ ዑመር ቡህ፣ ቅድሚኡ ንዝነበረ ተወላዲ ኮሞሮስ ኣምባሳደር እስማዒል ቻንፊ ብምትካእ’ዩ፣ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዳይረክተር ድሉው ሓይሊ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ኮይኑ።

 

እቲ ዞባዊ ሓይሊ፣ ሓደ ካብቲ ሓሙሽተ ንኣፍሪቃ ዝወከለ ሓይልታት ኮይኑ፣ ኣባላት ሰራዊት፣ ሓይሊ ፖሊስን ኣብ ምምሕዳራዊ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ በርጌስን ዝሓቖፈ’ዩ።

ዕላማ እዚ ዞባዊ ሓይሊ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከጋጥም ንዝኽእል ከበድቲ ጸጥታዊ ስግኣት ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ እኳ እንተኾነ፣ ዛጊት ኣብ ዝኾነ ተልእኾ ተዋፊሩ ኣይፈልጥን።

ኤርትራ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ዝካየድ ሓባራዊ ልምምድ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትሳተፍ ምዃናን ዘይምዃናን ዛጊት ኣይተነጸረን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0