ከሰላ፣ ከቢድ ዋሕዲ ነዳዲ ተኸሲቱ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 19 March 2020

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ምብራቕ ብፍላይ ኣብ ከሰላን ከባቢኣን ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ዋሕዲ ነዳዲ ናብ ዝበኣሰ ከምዝተሰጋገረ ተሓቢሩ።

ነዳዲ ዝዕድላ ትካላት ካብ ሰኑይ ኣትሒዘን ብስሩዕ ከከፋፍላ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣለን፣ ዋጋ’ቲ ክርከብ ዝኸኣለ ነዳዲ’ውን ንሰለስተ ሊትሮ ቤንዚን 14 ዶላር፣ ናፍታ ድማ ክሳብ 8 ዶላር ይሽየጥ ብምህላው፣ ከቢድ ጸገም ኣገልግሎት መጓዓዝያ ተኸሲቱ ምህላው ምንጭታት ጠቒሶም።

ሱዳን፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ነዳዲን ባኒን ዝተጎሃሃረ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነበረ ስርዓት በሺር ኣብ ሚያዝያ 2019 ክኣልዮ እኳ እንተኸኣለ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ መነብሮ ህዝቢ ዝተመሓየሸ ነገር ከምዘየለ’ዮም ነበርቲ ዘማርሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0