ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ኣጠቓቕማ ወደብ ዘተኮረ ዘተ ኣካይደን

Radio Erena: 19 March 2020

ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ኣጠቓቕማ ወደባት ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየዳ ተሓቢሩ።

እዚ ዝተሓበረ፣ ብሚኒስተር ሕርሻ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወደባት ጂቡቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ወደባት ጂቡቲ ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ’ዩ።

እቲ ልኡኽ ብዝያዳ ዘተኮረሉ፣ ኣብ ወደብ ዶራለ ዝተራገፈ ኣእካልን ዱኽዒን ምድንጓይ ከየጋጠሞ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግረሉ መንገድታት ንምንዳይ’ዩ።

ገማግም ባሕሪ ዘይትውንን ኢትዮጵያ፣ ነዚ ዝሓለፈ ኣስታት 20 ዓመታት 97% ኣገልግሎታ ወደብ ካብ ጂቡቲ’ያ ክትረኽቦ ጸኒሓ።

እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ንወደባት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኬንያን ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድን ከም ኣማራጺ ተቛምቶ ከምዘላ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ በዓል መዚ ኣገልግሎታት መጓዓዝያ ባሕሪ ጂቡቲ፣ ኣስታት 1118 ኮንተይነር እትስከም ናይ ጽዕነት መርከብ ገዚኡ ኣብ ስራሕ ከምዘውዓለ ገሊጹ።

እዚ ኣብ ትሕቲ በዓል መዚ ኣገልግሎታት ወደብ ጂቡቲ ዝመሓደር ንግዳዊ ትካል፣ ካብ ዝቐውም ካልኣይ ዓመቱ ዘቑጸረ ኮይኑ፣ እዛ ካብ ግሪኽ ዝገዝኣ ናይ ጽዕነት መርከብ ድማ ካልኣይቱ’ያ።

እቲ ኣብ መጓዕዝያ ባሕሪ ዝነጥፍ ትካል ንኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ንግዳዊ ኣገልግሎታት ንምሃብ ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ዝጠቅስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0