እስራኤል ኣብ ካርቱም ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዳ ተባሂሉ

እስራኤል ኣብ ካርቱም ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዳ ተባሂሉ

Radio Erena: 22 July, 2014

AlBa Hama

እስራኤል ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ጽዑቕ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ሱዳን’ውን ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየደት ኣል ዓረብ ዝተባህለ ጋዜጣ ገሊጻ።

እቲ እስራኤል ኣብ ሱዳን ደብዲባቶ ዝብሃል ዘሎ ቦታ፣ ንሓማስ ክወሃብ ዝተኸዘነ ርሑቕ ዝውንጨ ሚሳይላት’ዩ።

እንተኾነ ብዛዕባ’ዚ እስርኤል ኣብ ሱዳን ኣካይዳቶ ዝብሃል ዘሎ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ብዝምልከት ክልቲኦም መንግስታት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃብሉን።

 

እንተኾነ ኣጽዋር ኣብ ዝኽዘነሉ ቦታ ባርዕ ከምዝተራእየ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብ ካርቱም ንማዕከናት ዜና የመልክቱ።

መኮንናት ስለያ ሱዳን ድማ እቲ ኣብ ኤምዳድ ዘጋጠመ ባርዕ፣ ደብዳብ ነፈርቲ ናይ እስራኤል ዘይኮነ፣ ሃንደበታዊ ነትጕ ዝፈጠሮ’ዩ ክብሉ ገሊጾሞ።

ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ኮለነል ኣል ስዋርሚ ኻልድ ስዒድ ብወገኑ፣ እቲ ባርዕ ምስ ደብዳብ እስራኤል ዘተሓሕዝ ከምዘይብሉ ጠቒሱ ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን ንዕጡቓት ሓማስ ኣብ ቓዛ ይድግፍ’ዩ እናበለት እስራኤል ብተደጋጋሚ እዋን ከምእትቀስ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክልተ ግዜ ተመሳሳሊ ደብዳብ ከምዘካየደት ዝዝከር’ዩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ድማ ፕረዚደንት ሪፖብሊክ ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን መራሒ ሓማስ ኻልድ መሽዓልን ኣብ ቐጠር ድሕሪ ምርኻቦም፣ እስራኤል ኣብ ሱዳን መጥቃዕቲ ከተካይድ ከምእትኽእል ከተጠንቕቕ ጸኒሓ’ያ።

በዚ እስራኤል ኣብ ሱዳን ኣካይዳቶ ዝብሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝቖሰሉን’ውን ዮርሳሌም ፖስት የመልክት።

እስራኤል ኣብ ቓዛ ብእተካይዶ ዘላ ጽዑቕ መጥቃዕቲ፣ ህጻናትን ኣዴታትን ዝርከብዎም ልዕሊ 500 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

===================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0