ኣብ ሊብያ፣ ከተማ ጥራብሎስ ሓድሽ ግጭት ተጎሃሂሩ

ኣብ ሊብያ፣ ከተማ ጥራብሎስ ሓድሽ ግጭት ተጎሃሂሩ

Radio Erena: 22 July, 2014

att in Tri

ኣብ ጥራብሎስ ርእሰ ከተማ ሊብያ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓድሽ ግጭት ተጎሃሂሩ።

እቲ ግጭት ድሕሪ’ቲ መዓመር ቐዛፊ ንምውዳቕ ዝተኻየደ ግጭታት እቲ ዝሓየለ ምዃኑ ዝገልጹ ዘለዉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር፣ ንመዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ንምቁጽጻር ጽዑቕ ተዅሲ ይካየድ ምህላዉ ኣፍሊጦም።

እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ‘ዚንታን’ ዝተባህሉ ዕጡቓት ሚሊሻ ተቖጻጺሮሞ ከምዝጸንሑ’ዩ ዝግለጽ።

 

በዚ ናይ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ግጭት 47 ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ዜና የመልክት።

ድሕሪ ምቅዳቕ ሙዓመር ቐዛፊ ዝቖመ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ንመላእ እታ ሃገር ክቖጻጸርን ጸጥታ ከውሕስን ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ሓያሎ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊቱ፣ ተፈንጭሎም ናይ በይኖም ስጉምታት ክወስዱ ምጽንሖም’ዮም ነቲ መንግስቲ መሊሱ ኣዳኺምዎ’ዩ።

ሊብያ ናብ ዝበኣሰ ኩነታት ጸጥታ ኣብ እትመርሓሉ ዘላ መድረኽ፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ወጢኖም ናብት ኣሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታትን ሃገራት ኣፍሪቃ ልዑል ጥንቓቐታት ክገብሩ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ዘለዉ ትካላት ግብረ ሰናይ ይጽውዑ።

መዓመር ቐዛፊ ካብ ስልጣን ንምእላይ ኣብ 2011 ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ኣብ ቤንቓዚ፣ ሚስራታን ጥራብሎስን ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ግዳይ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ከምዝኾኑ ዝዝከር’ዩ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0