እስራኤላውን ነበርቲ ደቡብ ቴልኣቪቭ፣ ኣንጻር ሓተቲ ዑቕባ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ’ዮም

እስራኤላውን ነበርቲ ደቡብ ቴልኣቪቭ፣ ኣንጻር ሓተቲ ዑቕባ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ’ዮም

Radio Erena: 29 August 2018

Levensky

ኣስታት 35 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ዝነብርሉ ደቡብ ቴልኣቭ ዝምቕማጦም እስራኤላውያን ኣንጻር ሓተቲ ዑቕባ ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ ምዃኖም ማዕከን ዜና ዋይነት ገሊጹ።

እቲ ጽባሕ ሓሙስ 30 ነሓሰ ዝካየድ ተወጢኑ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ነቲ ዓሚ ከምዚ እዋን ብቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ዝተኣትወ መብጽዓታት ምውጽእ እቶም ሓተቲ ዑቕባ ንምዝክኻር ዝዓለመ’ዩ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ነቶም መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ንምውጻእ ዝሓንጸጾ ዝተፈላለየ መደባት ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይዘራረብ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ፍርቆም ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ካናዳን ክጣየሱ ዝተረፉ ድማ መንግስቲ እስራኤል ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ክህቦም ዝብል’ዩ።

እንተኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ፣ ጽባሕ እቲ ስምምዕ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ’ዩ ሰሪዝዎ።

መንግስቲ እስራኤልን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ኣብ ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ ዝተፈላለየ ውሳኔታት ከሕልፉ ምጽንሖም ይፍልጥ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0