ሬክ ማቻር ንትግባረ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ነጺጉ

ሬክ ማቻር ንትግባረ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ነጺጉ

Radio Erena: 29 August 2018

Machar Salvakir

ተቓዋሚ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማቻር፣ ንትግባረ ስምምዕ ሰላም ናብ ናይ መወዳእታ መድረኹ ንምድያብ ዘኽእል ውዕል ምኽታም ከምዝነጸገ ተገሊጹ።

ዝሓለፈ ወርሒ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት በሽር ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም ክታሙ ዘንበረ ሬክ ማቻር፣ ትማሊ ሰሉስ 28 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ምኽታም ናይ መወዳእታ መድረኽ ናይቲ ስምምዕ ግና ኣይተቐበሎን።

ሬክ ማቻር ዝርከቦም ካልኦት ተቓወምቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ነቲ ናይ ትማሊ ስምምዕ ዘይተቐበልዎ ምኽንያት፣ ዘካትዕ ጉዳያት ምምቕራሕ ስልጣንን ሓድሽ ቅዋምን ኣብቲ ንድፊ ኣይኣተወን ብዝብል’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣል ዲርዲሪ መሓመድ፣ እቲ ስምምዕ ክኽተም እኳ እንተዘይክኣለ ኣብ ካልእ እዋን ክኽተም ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ንሱ፣ ብዘይተሳትፎ ሬክ ማቻር ኣብ ስምምዕ ሰላም ክብጻሕ ከምዘይክእል’ዩ ዝኣምን።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ካርቱም ዝተኸተመ ቀዳማይ ስምምዕ፣ ሬክ ማቻር ናብ ዝነበሮ ስልጣን ምክትል ፕረዚደንት ክምለስ ንምትብባዕ ፕረዚደንት ሳል ቫኪር፣ ንኹሎም ተቓወምቲ ወገናት ናይ ምሕረት ኣዋጅ ከምዘመሓላለፈ ይዝከር።

ካብ 2013 ኣትሒዙ ዝተወልዐ ግጭት ደቡብ ሱዳን ኣብ 2015’ውን ብተመሳሳሊ ብሰላም ክዓርፍ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ እኳ እንተነበረ፣ ወርሒ ከይመልአ’ዩ ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ።

እዚ ሕጂ ኣብ ካርቱም ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ብዘይካ ንዜጋታት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ንግድን ወፍርን ዝርከቡ ከም ዜጋታት ኤርትራ ዝኣመሰሉ ወጻእተኛታት ዘተባብዕ ተስፋ ሂቡ’ዩ ጸኒሑ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0