እማመ ኢሚግሬሽን ፈረንሳ ልዕሊ ሲሶ ዓንቀጻት ክስረዙ ከምዘለዎም ቤት ምኽሪ ቅዋም ፈረንሳ ሓቢሩ

Radio Erena: Friday, 26 January 2024

እማመ ኢሚግሬሽን ፈረንሳ ልዕሊ ሲሶ ዓንቀጻት ክስረዙ ከምዘለዎም ቤት ምኽሪ ቅዋም ፈረንሳ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ፣ ኣብቲ እማመ፣ ተበጻሕነት ማሕበራዊ ሓገዛት ክተርር፣ ምጥርናፍ ስድራቤታት ዘደናጒ፣ ከምኡ’ውን ብባይቶ ዝተቐመጠ ናይ ኢሚግሬሽን ኮታ ዝዕንቅጽ፣ ስደተኛታት ናይ ድሕነት ሓገዝ ንምርካብ ዝግበር ምድንጓይ፣ መሰል ውልደት ዜግነት ዝስርዙ፣ ፈረንሳውያን ዘይኮኑ ዜጋታት ንምስጓግ ዝቐለለ ዝገብሩን ዘጠቓልል ዓንቀጻት ትማሊ ሓሙስ ነጺግዎ።

ፕረዚደንት የማናዊ ሰልፊ ጆርዳን ባርዴላ፡ ነቲ ብይን “ብደያኑን ፕረዚደንትን ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ” ብምባል ኣብ ጉዳይ ኢሚግሬሽን “እንኮ መፍትሒ” ዝኾነ ረፈረንደም ክግበር ጸዊዑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ካብ 86 ምምሕያሻት እቶም 32 ምስ ሕጊ ዘይተኣሳሰሩ ስለዝኾኑ ውዱቓት ገይርዎም።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፣ ፍሉይ ጸብጻቢ ዓሌትነት ሕቡራት ሃገራት ኣሽዊኒ ኬ.ፒ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ “እቲ እማመ፣ ፈረንሳ ንማዕርነትን ሓርነትን ዘለዋ ቅዋማዊ ሕጊ ዝጥሕስ’ዩ” ኢሉ ነይሩ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ፣ ነቲ እማመ ከም ቁልፊ ዝኾነ ባይታ ብምጥቃም ናብ ባይቶ ከይሓልፍ ከም ዝተኸላኸለ ይፍለጥ።

ማክሮን በቲ ዝተዋህበ ውሳኔ ካብ ብዙሓት ኣባላት የማናዊ ሰልፊ ተሪር ተቓውሞ ወሪድዎ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0