ሩስያውያን ደቂንስትዮ ሰብኡተን ናብ ቤቶም ክምለሱ ንሰበስልጣን ይሓታ

Radio Erena: Friday, 26 January 2024

እዘን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ተኣኻኺበን፣ ወይ ሆም ዝብል ጉጅለ ብምቛም ዝነጥፋ ዘለዋ ደቂንስትዮ፣ እቶም ኣብ የካቲት 2022  ኣብ ዩክሬን ንዝካየድ ኲናት ዝወፈሩ ልዕሊ 300 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት ናብ ቤቶም ክምለሱ ይጉስጉሳ።

“ሰብኡትና ወተሃደራዊ ግቡኦም ከም ዝፈጸሙ መዓስ እዮም ክቑጸሩ?” ዝበለት ማርያም ዝተባህለት ሓንቲ ካብተን ሰልፈኛታት “ኢዶም እግሮም ሰንኪሎም ወይስ ፈጺሞም ዋላ ሓንቲ ክገብሩ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ እዮም ክፋነዉ?” ክትብል መረርኣ ትገልጽ።

ማርያም ኣባላት ስድራኣ ንምምላስ ጥራይ ዘይኮነ ጎስጓስ ትገብር ከምዘላ ትዛረብ፣ ተወሳኺ ሩስያውያን ተጸዊዖም ናብ ቅድመ ግንባር ከይለኣኹ ክትከላኸል ትደሊ።

ብዛዕባ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ከም ዘለወን ዝገለጻ ሰልፈኛታት፣ ካብ የካቲት 2022 ኣትሒዞም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ሰብኡተን፣ ዜግነታዊ ሓላፍነቶም ፈጺሞም`ዮም ኣብ ዝብል ነጥቢ ግን ይሰማምዓ።

“መንግስትና መጀመርታ ተኣሚንናሉ ኢና” ዝበለት ኣንቶኒና “ሕጂ ግን ክንኣምኖም ዲና፣ ኣነ ንማንም ኣይኣምንን እየ”ክትብል ትዛረብ።

እተን ሰልፈኛታት ዛንታታተን፣ ካብ ፈለማ ነቲ ኲናት ክነቅፍ ዝጸንሐ ቦሪስ ናደዝዲን ዝተባህለ ሓደ ኣባል ባይቶ ገሊጸን።

ሚስተር ናደዝዲን ሓደ ካብቶም ውሑዳት ነቐፍቲ መንግስቲ ኮይኑ፣ ሩስያ ምስ ዩክሬን ኲናት ድሕሪ ምጅማራ ናብ ሃገራዊ ቴለቪዥን ክቐርቡ ዝተፈቕደሎም እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ፖለቲከኛ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደር ይጽዕር ከምዘሎ ይፍለጥ።

እቶም ሰብኡተን፣ ኣሕዋተን ይኹኑ ደቀን ንኽመልሳ ጎስጓስ ዝገብራ ዘለዋ ደቂንስትዮ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ነቐፌታ ይወርደን።

ከም ዝዝከር ብተመሳሳሊካብ 2019 ኣትሒዞም በብእዋኑ ናብ ኤርትራ ንስልጠና ዝኣተዉ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል፣ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ደሃዮም ምስ ጠፍአ፣ ወለዶም ብፍላይ ድማ ኣዴታት፣ ብዘካየዶኦ ተቓውሞ’ዩ ጉዳዮም ናብ ሓፋሽ ቃልዕ ወጺኡ።

ደሃይ ደቅና ጠፊኡና ዝብላ ሓያሎ ደቀንስትዮ ዝወደበኦ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝተኻየደሉ፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ጻውዒተን ተቐቢሉ ቅልጡፍ ምላሽ ክህበን ተማሕጺነን ኔረን።

መንግስቲ ሶማል፣ ብመርበባት ዜና ንዝወጽእ ዝነበረ ሓበሬታ መልሲ እኳ እንተዘይሃበሉ፣ ኣዴታት ሶማል ሃለዋት ደቅና ኣፍልጡና ዝብል ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ድሕሪ ምውዳበን ግና፣ ናብ ኤርትራ ንወትሃደራዊ ታዕሊም ከምዝተላእኩ ክእመን ከምዝተገደደ ይዝከር።

እቶም ወተሃደራት ድሒሮም ናብ ዓዶም ምምላሶም ይዝከር።

=================


COMMENTS

WORDPRESS: 0