ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ትግራይ ናብ ዓዶም ተፋንዮም

ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ትግራይ ናብ ዓዶም ተፋንዮም

Radio Erena: 10 October 2018

TPDM

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም፣ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብረት ዝዓጠቑ ኣስታት 2 ሽሕ ኣባላት ደምህት ወይ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ብ8 ጥቅምቲ ናብ ዓዶም ተፋንዮም።

ንሳቶም ብመንገዲ ዛላምበሳ ናብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ኣብ ዝኣተውሉ፣ ህዝቢ ድሙቕ ኣቐባብላ ጌርሎም።

ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን መንግስቲ ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝተኻየደ ስምምዕ፣ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ኣምሓራ፣ ኦሮሞን ኣቐዲሞም መምስ ወኪላት ክልላቶም ድሕሪ ምርድዳእ ናብ ዓዶም ክፋነዉ እንከለዉ፣ ሎሚ ድማ ናይ ትግራይ ተፋንዮም ኣለዉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ክንቐሳቐስ ዝጸንሐ ዕጡቕ ሓይሊ ኦሮሞ፣ ብመሰረት እቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ስምምዕ፣ ዕጥቁ ምልኡ ብምሉእ ከምዘየውረደ ተገሊጹ።

ጸብጻብ ዘ ሪፖርተር ከምዘመልክቶ፣ ኣብታ ሃገር ካብ ዝጸንሑ ኣስታት 4 ሽሕ ዕጡቓት ኦነግ፣ እቶም ፍርቆም ጥራይ’ዮም ዕጥቖም ኣውሪዶም ዘለዉ።

ናይቶም ዝተረፉ ዕጥቂ ምፍታሕ ከኣ ኣዘራራቢ ኮይኑ ይርከብ።

ዕጥቆም ዘውረዱ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ሕብረተሰብ ቅድሚ ምጽንባሮም፣ ናብ ዝተፈላለየ መዓስከራት እናተልኣኹ ስልጠናን ተሃድሶን ይወሃቦም ከምዘሎ ይግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0