ኢትዮጵያ፣ ዜጋታት ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይቪዛ ክኣትዉ ፈቐዳ

ኢትዮጵያ፣ ዜጋታት ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይቪዛ ክኣትዉ ፈቐዳ

Radio Erena: 10 October 2018

Addis Abeba Bole

ኢትዮጵያ፣ ዜጋታት ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይቪዛ ክኣትዉ ዘፍቅድ ኣዋጅ ኣዊጺኣ።

እታ ሃገር ነዚ ኣዋጅ ተውጽኢ ዘላ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቐዲሙ ብዘቕረቦ እማመ መሰረት፣ ዜጋታት እዛ ኣህጉር ካብን ናብን ብዘይ ዕንቅፋት ክንቀሳቐሱ ንክኽእሉ’ዩ።

ናይ ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር ፓስፖርት ዝሓዙ ተጓዓዝቲ፣ ኣቐዲሞም ቪዛ ከይሓተቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክብገሱ ይኽእሉ።

መእተዊ ቪዛ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ይህረመሎም።

ብመሰረት እዚ ኣዋጅ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ንኹሎም ዜጋታት እዛ ኣህጉር ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ዝፈቐደት ናይ መጀመርያ ሃገር ክትከውን’ያ።

ርዋንዳ’ውን ተመሳሳሊ መደብ’ዩ ዘለዋ።

ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንዜጋታት ኤውሮጳ ብዘይቪዛ ክኣትዉ ክፈቕዳ እንከለዋ፣ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ግና ቅድሚ ምብጋሶም ኣብ ዘለውዎ ሃገራት ኣብ ኤምባሲታት ቪዛ ክሓቱ’የን ዘገድዳ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0