ኤርትራ ዝመበቆሉ ኣመሪካዊ “ራፐር” ተቐቲሉ

ኤርትራ ዝመበቆሉ ኣመሪካዊ “ራፐር” ተቐቲሉ

ብ “ኒፕሲ ሃስል” ዝፍለጥ፣ ኤርምያስ ደቪድሰን ኣስገዶም ዝተባህለ ኤርትራ ዝመበቖሉ ኣመሪካዊ ደራፋይ ተቐቲሉ።

ኤርትራዊ ኣመሪካዊ፣ ናይ “ራፕ” ዓይነት ሙዚቓ ደራፋይ፣ ኣብ ካሊፎንያ፣ ሎስ ኣንጀሎስ ኣብ ዝርከብ ትካል መሸጣ ጨርቃ ጨርቂ፣ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ከምዝተቐትለ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ሓቢረን።

ቅትለት እዚ ሕጹይ ኣብ ሙዚቓ ዝልዓለ ሽልማት “ግራሚ” ዝኾነ ኒፕሲ ሃስል፣ ምስቲ ኣብ መንጎ ናይ ራፕ ደረፍቲ ዝተሓሓዝ ናይ ጉጅለታት ባእሲ ዝተኣሳሰር ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ ዘሎ።


እዚ ወዲ 33 ዓመት ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ደራፋይ፣ ክሮስን እማንን ዝተባህሉ ክልተ ቆልዑ ከምዘለውዎ ሰነዳቱ የመልክቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ንፈለማ እዋኑ ናብ ኤርትራ በዚሑ ምስ ፕረዚደምንት ኢሳይያስን ካልኦት ስበ ስልጣን እቲ መንግስትን ምርኻቡ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኣመሪካ፣ ብተመሳሳሊ ቅትለት ህይወት ዝስእን ዘሎ፣ እዚ ካልኣይ ኣመሪካዊ ኤርትራኢ ደራፋይ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት’ውን ሳንድማን ንጉስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ከምዝተቐትለ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0