ኬንያ፣ ብደረጃ ዓለም ፣ብዕብየቱ ቀዳማይ ዝስራዕ መዓስከር ስደተኛታት ክዓጹ’የ ትብል

ኬንያ፣ ብደረጃ ዓለም ፣ብዕብየቱ ቀዳማይ ዝስራዕ መዓስከር ስደተኛታት ክዓጹ’የ ትብል

መንግስቲ ኬንያ፣ ነቲ ብደረጃ ዓለም፣ ብዕብየቱ ቀዳማይ ዝስራዕ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ክዓጽዎ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ መዓስከር መብዛሕቶም፣ ካብ ሶማል ዝተፈናቐሉ ኣስታት 250 ሽሕ ሰባት ተዓቝቦም ኣለዉ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝልኣኾ ወግዓዊ ደብዳቤ፣ ኣብቲ መዓስከር ዘለዉ ሶማላውያን ነናብ ዓዶም ክጣየሱን እቲ መዓስከር ድማ ጠቕሊሉ ክዕጾን’ዩ ጠሊቡ።


ክሳብ ነሓሰ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ እቲ መዓስከር ክዕጾ’ውን ትጽቢት ኣለዎ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ናይ መንግስቲ ኬንያ መደብ፣ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይኹን ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት ተቐባልነት ኣይረኸበን።

መንግስቲ ኬንያ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ 2016 ተመሳሳሊ መደብ ሓንጺጹ እኳ እንተነበረ፣ ጸኒሑ ንዘይተወሰነ ግዜ’ዩ ኣናዊሕዎ።

እቲ መንግስቲ፣ መዓስከር ዳዳብ ክዕጾ ዝጸቕጠሉ ዘሎ ምኽንያት፣ ምስ ሽበራን ካልእ ገበናትን ብምትሕሓዝ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0