ኤርትራ እትርከበን 19 ሃገራት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ መበል 18 ዋዕላ ኮሜሳ ክሳተፋ’የን

ኤርትራ እትርከበን 19 ሃገራት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ መበል 18 ዋዕላ ኮሜሳ ክሳተፋ’የን

Radio Erena: 30 March 2015

Comesa

ኤርትራ እትርከበን 19 ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ መበል 18 ዋዕላ ኮሜሳ ክሳተፋ’የን።

ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ መበል 18 ዋዕላ ሓባራዊ ዕዳጋ ምብራቕን ደቡባውን ኣፍሪቃ (ኮሜሳ) ንምስታፍ ሓያሎ መራሕቲን ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ኣባላት ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ እንከለዉ፣ ኤርትራ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝመደበሩ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ክትውከል’ያ።

ንሃገራት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ኣብ ሓባራዊ ዕዳጋ ንምሓቛፈን ኣብ 1994 ዝተመሰረተ ኮሜሳ፣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕሉኡ፣ ኣብ እዋናዊ ብድሆታት ቁጠባን ዕዳጋን ከተኩር’ዩ።

 

ኮሜሳ፣- ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ከንያ፣ ኡጋንዳ፣ ደ.ሪ.ኮንጎ፣ ርዋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ግብጺ፣ ማላዊ፣ ሞሪሽየስ፣ ሲሸልስ፣ ስዋዚላንድ፣ ዛምብያን ዚምባብዌን ብድምር 19 ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ’ዩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0