ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብቀጻሊ ካብ ዘልዕሉ ዲፕሎማሰኛታት ሓደ ዝነበረ ኣምባሳደር ሶማልያ ኣብ ው.ሕ.ሃ. ተቐቲሉ

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብቀጻሊ ካብ ዘልዕሉ ዲፕሎማሰኛታት ሓደ ዝነበረ ኣምባሳደር ሶማልያ ኣብ ው.ሕ.ሃ. ተቐቲሉ

Radio Erena: 29 March 2015

soma_ambቀዋሚ ኣምባሳደር ሶማልያ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ብተኻየደሉ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ።

ኣምባሳደር ዩሱፍ መሓመድ ኢስማዒል ባሪ ባሪ፣ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ማካ ኣል ሙኻራማ ኣብ ዝተባህለ ሆቴል እንከሎ’ዩ፣ ካብ ዕጡቓት ኣልሸባብ ብዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ቦምብ ብዝተጻወዳ መኪና ድሕሪ ምጅማሩ፣ ዕጡቓት ኣባላት ጉጅለ ኣልሸባብ  ተኹሲ ብምኽፋት ኣብ ልዕሊ’ቲ ሆቴል መጥቃዕቲ ከፊቶም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ 14 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ካልኦት 13 ከኣ ከምዝቖሰሉ ፖሊስ’ታ ከተማ ኣፍሊጡ።

 

እቶም ዕጡቓት ኣብ ቀዳማይ ደርቢ’ቲ ሆቴል ዕርዲ ብምሓዝ፣ ምስ ኣባላት ፖሊስን፣ ሰራዊት ዓቃብ ሰላምን ንኣስታት ሓደ መዓልቲ ዝጸንሐ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ኣካዪዶም።

ፖሊስ ሞቓድሾ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ዕጡቓት ብቀዳም ንግሆ ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ። ወሃብ ቃል ኣልሸባብ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ናይቲ መጥቃዕቲ ምሉእ ሓላፍነት ድሕሪ ምውሳድ፣ ገለ ኣባላቱ ኣብቲ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ከምዝሞቱ ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ዩሱፍ መሓመድ ኢስማዒል ባሪ ባሪ፣ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፣ ኣብ ባይቶ ጸጥታ፣ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክለዓል ከይተሓለለ ይሰርሕ ከምዝነበረ፣ ፖለቲከኛታት ኤርትራ ይገልጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣብ ምቛም ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፣ ከምኡ’ውን ሕቶ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ንኸጻሪ ዝተመዘዘ ኣካል ኣብ ምቛም ብዕቱብ ከምዝሰርሐ ይግለጽ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0