ኤርትራ እትርከበን ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ምምካት ሕማም ዓሶ ጽቡቕ ገስጋስ ከምዘርኣያ ተገሊጹ

ኤርትራ እትርከበን ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ምምካት ሕማም ዓሶ ጽቡቕ ገስጋስ ከምዘርኣያ ተገሊጹ

Radio Erena: 02 February 2016

malarya

ኤርትራ ኣብ ምጥፋእ ሕማም ዓሶ ብእትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፣ ካብ ዝተሸለማ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ኮይና።

ኤርትራ ንስልማት ናይቲ ብኪዳን መርሕቲ ኣፍሪቃ ንዓሶ (ALMA) ዝፍለጥ፣ ሓደ ካብ ዕላማታት ሸቶታት ሚልዮንዮም ጥዕናዊ ንጥፈታት ትዕወት ዘላ፣ ንመጠነ ሞት ብሕማም ዓሶ ኣብዚ 15 ዓመታት ብኣስታት75 ሚእታዊት ብምጉዳላ’ዩ።

ንሓደ ካብ ኣገደስቲ ሸቶታት ሚልዮንዮም ኣብ ምዕዋት፣ ሕማም ዓሶ ኣብ ምቕላስ ጽቡቕ ገስጋስ ዘርኣያ ሃገራት ተባሂላን ምስ ኤርትራ ብሓባር ናይ 2016 ስለማት ALMA ዝተዓወታ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ቦትስዋና፣ ኬፕቨርደ፣ ናሚብያ፣ ርዋንዳ፣ ሳኦ ቶመን፣ ስዋዚላንድን ደቡብ ኣፍሪቃን’የን።

 

፣ ካብ 2001 ክሳብ 2015 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ሸቶት ሚልዮንዮም ንምዕዋት ሓደ ካብቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሰርዖ መምዘኒታት፣ ጽላት ጥዕና ኮይኑ፣ ኣብ ምንካይ መጠነ ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ወሊድ፣ ምንካይ ሕማማት ዓባይ ሰዓል፣ ኤች.ኣይ.ቪ ኤይድስን ዓሶን’ዩ።

ኤርትራ ኣብዚ ጽላት’ዚ ዘተባብዕ ውጽኢት ብምምዝጋብ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ኣብነት ክትጥቐስ ከምእትኽል’ውን ውድብ ጥዕና ዓለም ምስክርነቱ ይህብ።

ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ፣ ብምኽንያት መበል 26 ዋዕላ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ብ31 ጥሪ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ኤርትራ፣ ተዓዋቲ ናይዚ ክብሪ’ዚ ክትከውን በቒዓ።

ኪዳን መርሕቲ ኣፍሪቃ ንዓሶ (ALMA) ብ49 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣፍሪቃ ዝቖመ ኮይኑ፣ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ሕማም ዓሶ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ጠቕሊሉ ንምጥፋእ ኣብ 2009 ዘንቀደ ተበግሶ’ዩ።

==============================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0