ስዑዲ ዓረብ፣ ዓመተ 2016 ገና ኣብ መፈለምትኡ ብሞት ናይ ዝቐጽዓቶም ሰባት ቁጽሪ 56 በጺሑ

ስዑዲ ዓረብ፣ ዓመተ 2016 ገና ኣብ መፈለምትኡ ብሞት ናይ ዝቐጽዓቶም ሰባት ቁጽሪ 56 በጺሑ

Radio Erena: 03 February 2016

SAu Ex

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ሓድሽ ዓመት ካብ ዝጅምር ብሞት ናይ ዝፈረዶም ሰባት ቁጽሪ 56 በጺሑ።

እታ ሃገር ዓመት 2016 ናይ ፈለማ ወርሑ ኣብ ምዝዛሙ፣ ብዝሒ ብሞት ናይ ዝቐጽዓቶም ሰባት 56 ከምዝበጽሐ ዝንገር ዘሎ፣ ብቕትለት ንዝተኸሰሰ ዜጋ ትማሊ ሰሉስ 2 ለካቲት ብጉራዴ ብምስያፍ ድሕሪ ምቕታላ’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2015 ብሞት ናይ ዝቐጽዓቶም ሰባት 153’ዩ። እቶም 71 ካብዚኣቶም ዜጋታት ወጻኢ ምዃኖም ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር የመልክት።

 

ዝበዝሑ ካብቶም ዝሃለፈ ዓመት ንሞት ዝተፈርዱ፣ ብምስግጋር ሓሺሽን ቅትለትን ዝተኸሱ’ዮም።

ዓመት 2016 ኣባ ምጅምራኡ ጥራይ ግና ብዝሒ ብሞት ናይ ዝፈረደቶም ሰባት ቁጽሪ 56 ምብጽሑ፣ ኣብ ምሉእ’ዚ ዓመት ክንደይ ክበጽሕ ከምዝኽእል ንተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣሻቒሉ ይርከብ።

ብምግሃስ መሰል ደቂ ሰብ ምስ ቀዳሞት እትስራዕ ስዑዲ ዓረብ፣ ንመብዛሕትኦም እቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ብሞት ዝቐጾኣቶም ሰባት፣ ብሽበራ ዝኸሰሰቶም’ዮም።

እታ ሃገር፣ ንደቂ ሰብ ንሞት ብምፍራድ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሃገራት ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0