ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዝተራእየ ምንቕጥቓጥ ምድሪ ዳግም ክኽሰት ከምዝኽእል ክኢላታት የጠንቕቑ

ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዘጋጠመ ምንቅጥቓት ምድሪ ዳግም ክኽሰት ከምዝኽእል ክኢላታት የጠንቕቑ። 

እቲ ብ18 መስከረም ኣብ ኤርትራን ሓያሎ ካልኦት ሃገራትን ዝተኸስተ ምንቕጥቃጥ ምድሪ ካብ 12 ክሳብ 18 መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣቐዲሙ ብክኢላታት ተገሚቱ ምንባሩ’ውን ተሓቢሩ።

 

እቲ ኣስታት 5 ማግኒቱድ ዝዓቐኑ ምንቕጥቓት ምድሪ ኣብ ደቡባዊ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ፣ ምብራቓዊ ሰለማዊ ውቅያኖስንን ሓያሎ ወሰናስን ባሕርን ኣብ ዝርከባ ብውሕዱ 11 ሃገራት ከጋጥም ተኽእሎ ከምዘሎ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ጂኦሎጂካዊ መጽናዕቲ ኣቐዲሙ ገሊጹ ምንባሩ’ዩ ዝጠቕስ።

ነድርን ጽልዋን ናይቲ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ካብ ሓደ ሰሙን ክሳብ ሓደ ወርሒ ክቕጽል ከምዝኽእል’ውን ትንቢታት ኣሎ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0