ኣርባዕተ ኣብረርቲ ነፋሪት ኵናት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ

ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ኣብረርቲ ነፈርቲ ኵናት፣ ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ ይግለጽ ኣሎ።

እቶም ናይ ካፕቴን ማዕረግ ዘለዎም ኣርባዕት ፓይሎታት፣ እቶም ክልተ ኣብ ቻይና ንትምህርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ምስቲ ኣብ ኣስመራ ዝመደበሩ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ሓይሊ ክጽንበሩ እንከሎ እቶም ክልተ ድማ ብቐጥታ ካብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ምዃኖም’ዩ ዝጥቐስ።

 

ነዚ ሓበሬታ ዝዘርግሐ ኣብ ኣስመራ ዝመደበሩ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ሓይሊ ግንቦት 7፣ እቶም ካብ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ናብ ኤርትራ ኣትዮም ዘለዉ ክልተ ፓይሎታት ነፈርቲ ሒዞም ከምዝኣተዉ ዝኾነ ኣንፈት እኳ እንተዘይሃበ፣ ሓያሎ ናይ ተቓወምቲ መርበባት ሕእበሬታ ይገልጽኦ ከምዘለዋ ግና ክልተ ሱኸይ ዝዓይነተን ነፈርቲ ሒዞም’ዮም ናብ ኤርትራ ኣምሪሖም።

ብዛዕባ’ዚ ሓቕነት እዚ ሓበሬታ ኣመልኪቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ መረጋገጺ ኣይሃበሉን።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ብዶክተር ብርሃኑ ነጋን ምክትሉ እንዳርጋቸው ጽገን ዝምራሕ ኣብ ኣስመራ ዝመደበሩ ግንቦት 7፣ እቶም ናብ ኤርትራ ኣትዮም ዘለዉ ሓደ ኣዛዚ ስርሒት ዝርከቦም ኣርባዕተ ኣብረርቲ ነፈርቲ ኵናት ኢትዮጵያ ኣስማቶም ብምጥቃስ ምስቲ ተቓዋሚ ውድብ ከምእተጸንበሩ’ዩ ዝገልጽ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0