ኤርትራ ብመዳይ ቴክኖሎጂ ርክብን ሓበሬታን፣ ድሕሪት ካብ ዝተረፋ ሃገራት ምዃና ተገሊጹ

ኤርትራ ብመዳይ ቴክኖሎጂ ርክብን ሓበሬታን፣ ድሕሪት ካብ ዝተረፋ ሃገራት ምዃና ተገሊጹ

Radio Erena: 27 July 2015

Internet

ኤርትራ ኣብ መዳይ ቴክኖሎጂ ርክብን ሓበሬታን ካብተን ድሕሪት ተሪፈን ዘለዋ ሃገራት ዓለም ምዃና ሓድሽ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣረዲኡ።

ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ’ቲ ኣብ 2001 ዝተኣታተወ ውሕዱ ዓቐን ዘለዎ ኣገልግሎት ኢንተርነት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝበዝሐ ህዝቢ ዓለም ዝረብሓሉ ዘሎ ቅልጡፍ ደረጃ ብቕዓት ኢንተርነት ከስተማቕር ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ህዝቢ ዝመረጾ ሓበሬታ ናይ ምፍታሽ ፍርሒ’ውን ከምዘለዎ እቲ ምሕደራ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂን ብድሆታቱን ብዝብል ኣርእስቲ ብቀዳም 25 ሓምለ ኣብ ፓሪስ፣ ሲተ ዩኒቨርሲቲ ዝቀረበ መጽናዕቲ ኣረዲኡ።

 

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሳላ’ቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝስንጥቕ መስመር ብፋይበር ዝመሓላለፍ ቅልጡፍ ኢንተርነት ናይ ምርካብ ዕድላት ዘለዎ ኮይኑ፣ ኤርትራ ዝመራሒተን ሃገራት እዚ ዞባ ግና ኣብ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለወን ፍርሒ ብግሁድ ከምዘርኣያ’ውን እቲ መጽናዕቲ ይጠቕስ።

ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመ ዝመጽእ ዘሎ ኣገልግሎት ኤልክትሪክ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ርክባትን ሓበሬታን እናነጸሎ ይመጽእ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ህዝቢ ዓለም ኣብ ሞባይላቱ ኣገልግሎት ቴሌፎን ጥራይ ዘይኮነ ኢንተርነት’ውን ክረክብ በቒዕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ህዝቢ ኤርትራ ግና በንጻሩ ነቲ ኣብ ዱኳናት ክሽየጥ ዝግብኦ ኣገልግሎት ሞባይል ቴሌፎን – ሲም ካርድ ንምርካብ ኣብ ርእሲ ዘለዎ ገልታዕታዕ፣ ብሰንኪ ኤልክትሪክ ዓማዊል ከምቲ ዝድለ ኣገልግሎት ይረኽቡ ከምዘየለው ይፍለጥ።

ኤርትራ ብዲፕሎማሲ ጥራይ ዘይኮነ ብመዳይ ቴክኖሎጂ ርክብን ሓበሬታ’ውን ካብ ዓለም ተነጺላ፣ ደሴት ኮይና’ያ ዘላ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0