ኣብ እስራኤል፣ ኣብ ሖሎት ብዝርከቡ ስደተኛታትን ተጣበቕትን ዝተዳለወት ትያትር ንምርኢት ቀሪባ

ኣብ እስራኤል፣ ኣብ ሖሎት ብዝርከቡ ስደተኛታትን ተጣበቕትን ዝተዳለወት ትያትር ንምርኢት ቀሪባ

Radio Erena: 27 July 2015

Holot Theatre

ኣብ እስራኤል ኣብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ብዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ከምኡ ድማ ብተጣበቕቲ ዝተዳለወት ንመዓልታዊ ህይወት ስደተኛታት እተንጸባርቕ ትያትር ንምርኢት ቀሪባ።

እታ ንምድላዋ ኣስታት ሓደ ዓመት ዝወሰድት፣ ስደተኛታት ካብ ዶብ ሲና ክሳብ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ንዝገጥሞም ዘሎ ብድሆታትን ኣብ መወዳእታ ድማ ዝጽበዮም ናይ ምጥራዝ ዕጫን ዘጥቃለለ ትሕዝቶ ዘለዋ’ያ።

ፈላማ ኣብቲ ዜጋታት ኤርትራን ተዳጕኖምሉ ዘለዉ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ሖልት ንምርኢት ከምዝቐረበት ዝሓበረ ወከሊ ሬድዮ ኤረና ካብ እስራኤል ሺሻይ ገብረሃንስ፣ ብዓርቢ 24 ሓምለ ድማ ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ብተመሳሳሊ ንምርኢት ምቕራባን ህዝቢ ብተመስጦ ከምዝተዓዘባን ገሊጹ።

 

እዛ ብኣላይነት ኣብ ዩኒቨርስቲ ቴልኣቪቭ መምህርን ዳይረክተር ትያትርን ሸን ኣሎን ከምኡ ድማ ኣልዩ ፊልም ኣቪ ሞግራቢ ዝተዳለወት ትያትር፣ ብቋንቋታት ሂብሩ፣ ትግርኛን ዓረብ’ያ ንምርኢት ቀሪባ።

እዛ ኣስታት ሓደ ሰዓት ንውሓት ዘለዋ ትያት፣ ዝበዝሐ ክፋል እታ ትያትር ኣብ ምንቕስቓስ ዘድሃበ ኮይኑ፣ ዝወሓደ ዝርርብን ዘመናዊ ቅዲን ዝተኸተለት ምዃና’ውን ሺሻይ ገብረሃንስ ካብ ቴልኣቪቭ ጠቒሱ።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ፣ ዓርቢ 7 ነሓሰ 2015 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ’ውን ደጊማ ኣብ ተልኣቪቭ ንምርኢት ክትቀርብ ምዃና’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0