ኤርትራ፣ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ቦታ ትሕዝ

Radio Erena: Thursday, 25 January 2024

ኤርትራ፣ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ኣፍርቃ ቀዳማይ ቦታ ከምእትሕዝ፣ ኮሚቴ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝምደበሩ ትካል፣ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ዓመታዊ ጸብጻብ ኩነታት ፕረስ ሃገራትዩ፣ ንኤርትራ ምስ ቀዳሞት ኣሰርቲ ጋዜጠኛታት ኣቐሚጥዋ።

ኣብ 2023፣ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ሃገራት፣ ብጠቕላላ 47 ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዘፍለጠ እቲ ትካል፣ ኣሲረንኦም ብዘለዋ ብዝሒ፣ ኢትዮጵያን ካሜሮንን ንኤርትራ ብምስዓብ፣ ካልኣይን ሳልሳይን ተሰሪዐን ይርከባ።

ኣብ ኤርትራ፣ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዞም፣ ንልዕሊ 22 ዓመታት ዝተኣስሩ ልዕሊ 16 ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ዛጊት ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።

ነዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፣ ብምልካዊ ስርዓት ሓደ ሰብ፣ እትምራሕ ኤርትራ፣ ጋዜጠኛታት ብምእሳርን ምጉዕጻጽ ናጻ ፕረስን፣ ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ምስ ቀዳሞት እናተሰርዐትያ ትጥቀስ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0