ኤርትራ፣ ዞባ ደቡብ መጠን መልከፍቲ ሕማም ዓሶ ብ54% ወሲኹ

Radio Erena: Thursday, 25 January 2024

ኣብ ኤርትራ፣ ዞባ ደቡብ፣ መጠን መልከፍቲ ሕማም ዓሶ ብ54% ከምዝወሰኸ፣ ንጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና እቲ ዞባ ብምጥቃስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ሓቢራ።

እታ ጋዜጣ፣ ንሓላፊ እቲ ጨንፈር፣ ኣቶ ሚኪኤል ሃብተማርያም ብምጥቃስ፣ ኣብ ናይ ሰሉስ፣ 23 ጥሪ ሕታማ ኣብ ዘስፈረቶ ዜና፣ ካብ 1998 ክሳብ 2021 ንልዑል ናህሪ ክጎድል ዝጸንሐ መጠን መልከፍቲ ሕማም ዓሶ፣ ኣብ 2022 ብሃንደበት ብ164% ከምዝንሃረ ኣገንዚባ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2023፣ እቲ መልከፍቲ ብ54% ወሲኹ ምህላዉ ዘመልከተ እቲ ጨንፈር፣ ነቲ ብዝሒ ብኣሃዝ ኣየነጸሮን።

ጠንቂቲ ኣብ ዞባ ደቡብ፣ ንሂሩ ዘሎ መጠነ መልከፍቲ ሕማም ዓሶ፣ ምንቅስቓስ ሰባት ካብን ናብን ከምኡ’ውን ሸለልትነት ኣብ ሜላታት ምክልኻል ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ጨንፈር፣ ህዝቢ ነዚ ብግቡእ ተገንዚቡ ጥንቃቐ ከዘውትር፣ ከባብያዊ ጽሬት ብስሩዕ ክካየድን ብመድሃኒት ዝተሰበነ ናሙስያ ክጥቀም ኣተሓሳሲቡ።

ኣብቲ ዞባ ብዝያዳ ዓሶ ከምዘለዎ ኣብ ዝፍለጥ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ ዃላ፣ ማይ ምነ፣ ማይ ዓይኒ፣ ዓረዛን ጸሮናን፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፣ መድሃኒት ጸረጣንጡ ከምዝተነጽገ ብምዝክኻርውን ኣብ ኣብ ነፍሲወከፍ ሰለስተ ዓመት ዝዕደል ብጸረጣንጡ ዝተሰበነ ናሙሱያ፡ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ኣዋርሕ ክዕደል መደብ ከምዘሎዩ ተነጊሩ።

ዓሶ ኣብ ኤርትራ ካብቶም ቀዳሞት ኣስፋሕፋሕቲ ሕማማትዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0