ኤርትራ፣ ጋዜጠኛታት ብምእሳር፣ ኣብ ትሕተ- ሰሃራ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ቦታ ትሕዝ

ኤርትራ፣ ጋዜጠኛታት ብምእሳር፣ ኣብ ትሕተ- ሰሃራ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ቦታ ትሕዝ

Radio Erena: 17 December 2018

Journalist in prison

ኤርትራ፣ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ትሕተ-ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ቀዳማይ ቦታ ሒዛ ከምዘላ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታታት ኣብ ዝዘርግሖ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

ኣብዛ ዓመት እዚ’ኣ ብድምር 30 ጋዜጠኛታት ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፣ እቶም 16 ካብዚኣቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ንኤርትራ ተኸቲላ ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ኣሲራ እትርከብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ካሜሩን ኮይኑ፣ ኣብዛ እትዛዘም ዘላ ዓመት ሸውዓታ ጋዜጠኛታት እታ ሃገር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፣ ኣብ ርዋንዳ ኣርባዕተ፣ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ክልተ ኣብ ሶማል ድማ ሓደ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።

ኣብ ዓመተ 2018፣ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 251 ጋዜጠኛታት’ዮም ተኣሲሮም።

ጋዜጠኛታተን ብምእሳር ብደረጃ ዓለም ቀዳሞት ዝኾና ሃገራት ቱርኪ፣ ቻይና፣ ግብጽን ስዑዲ ዓረብ ክኾና እንከለዋ፣ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ብደረጃ ዓለም ዝተኣስርቱ ጋዜጠኛታት ኣብዘን ሃገርት’ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ 2001 ኣትሒዙ ን17 ዓመታት ብዘይፍርድን ሕጋዊ መስርሕን ደሃዮም ኣጥፊእዎም ዘሎ ኣስታት 15 ጋዜጠኛታት ጥራይ ዘይኮነ፣ በብእዋኑ ጋዜጠኛታት ብጅምላ ብምእሳር’ውን ግኑን ስም ከምዘለዎ ይፍለጥ።

ብናጽነት ፕረስን ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰለን ምስተን ዝተሓታ ሃገራት እትርከብ ኤርትራ፣ ነዚ ሕማቕ ምስሊ’ዚ ንሓያሎ ዓመታት’ያ ብሒታቶ ዘላ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፣ ብዘይካ’ተን ብመንግስቲ ዝውነና ሬድዮ፣ ቲቪን ጋዜጣን ካልእ ናይ ብሕቲ ማዕከን ዜና ከምዘየለ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0