ልዕሊ 600 ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ናብ ኢጣልያ ኣትዮም

ልዕሊ 600 ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ናብ ኢጣልያ ኣትዮም

Radio Erena: 17 December 2018

Refugees minors

ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ኣዋርሕ፣ ብዘይኣላዩ ዝመጹ፣ ልዕሊ 600 ኤርትራውያ ቆልዑ ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተወ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ብሓፈሻ፣ ብዘይኣላዩ ዝመጹ 3346 ቆልዑ ማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፣ እቶም 814 ዜጋታት ቱኒዝያ ክኾኑ እንከለዉ፣ 602 ኤርትራውያን 252 ድማ ሱዳናውያን ምዃኖም ይጠቅስ።

ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ብተዛማዲ ውሑዱ እኳ እንተሎ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ሕጂ’ውን ምስ ቀዳምት ካብ ምስራዕ ግና ኣይዓረፈን።

ብዘይኣላዩ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ቆልዑ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሊብያን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ብተደጋጋሚ ዝጥቐስ ኣርእስቲ’ዩ።

 

================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0