ኤርትራ፣ ካብ 14 ክሳብ 18 ጥሪ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝእንገድ መጻረዩ ግጥማት ኩዕሶ ሰኪዔት፣ ኣፍሮባስኬት ክትሳተፍ’ያ

Radio Erena: 13 January 2020

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዔት ኤርትራ፣ ኣብቲ ብኣህጉራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ ሰኪዔት – ፊባ ዝተወደበ፣ ካብ 14 ክሳብ 18 ጥሪ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝካየድ ግጥማት መጻረዩ፣ ኣፍሮባስኬት ክትሳተፍ’ያ።

16 ኣባላት ዝሓቖፈት ሃገራዊት ጋንታ፣ ትማሊ ሰኑይ 12 ጥሪ ናብ ኬንያ ኣምሪሓ ኣላ።

ኤርትራ፣ ብዞን ሓምሽተ ኣብ ዝፍለጥ ናይ መጻረይ ግጥማት ተመዲበን ምስ ዘለዋ ኬንያ፣ ታንዛንያ፣ ደቡብ ሱዳንን ሶማልን ክትገጥም’ያ።

ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ፣ ህድማ ከየጋጥም፣ ንተጻወቲ ናይ ኣስታት 100 ሽሕ ዋሕስ ወይ ድማ ሊብሬቶ ገዛን ትካላትን ብትሕጃ ከምጽኡ ከምዘገደዶም’ዩ ዝግለጽ።

ኤርትራ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ስፖርት ንምስታፍ ናይ ምውጽእ ዕድል ዝረኽቡ ተጻወቲ፣ ብውልቂን ብእኩብን ዑቕባ ንምሕታት ክተርፉ ልሙድ ተርእዮ’ዩ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0