መራሕቲ ኤርትራን ጂቡቲን ንምርኻቦም ዝተኻየደ ፈተነታት መሰናኽል ይገጥሞ ከምዘሎ ተሓቢሩ

Radio Erena: 13 January 2020

ፕረዚደንታት ኤርትራን ጂቡቲን ንምርኻቦም ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ፈተነታት ክዕወት ከምዘይክኣለ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ዝተገብረ ቀዳማይ ፈተነ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሪያድ፣ ንመጀመርያ እዋኖም ናይ ኢድ ሰላምታ ክለዋወጡ እኳ እንተኽኣለ፣ ብዛዕቲ’ ካብ 2008 ኣትሒዙ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ንምእላይዩ ይኹን ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ክግበር ዝተወጠነ ርክባት ግና ዛጊት ክዕወት ከምዘይክኣለ እቶም ዲሎማሰኛታት ኣረዲኦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ንክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምርኻቦም መደብ ከምዝነበሮ ብምምልካት ድማ፣ ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ “ካብ ዝተታሕዘ መሬት ከምዝወጹ ቃል ይእተዉ” ዝብል ቅድመ-ኩነት ብምቕራብ እቲ ርክብ ክሰምር ከምዘይክኣለ ኣገንዚቦም።

ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብ ከባቢ ራስ ዱሜራን ራስ ኤልዋን ዝርከብ፣ ናይ ጂቡቲ ምዃኑ ዝገልጾ ንኣሽቱ ኩጀታት፣ ብግንቦት 2008 ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ብኤርትራ ከምዝተታሕዘ’ዩ ዝወቕስ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ’ዚ ብጂቡቲ ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝቐረበ ክስታት ይኹን ወቐሳ ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ካብ 2010 ኣትሒዙ፣ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ብመንጎኝነት ቀጠር ዝጀምርዎ፣ ምሩዃት ናይ ምርኽኻብ፣ ሽምግልና ዋንነት መሬትን ናይ ዕርቂ መስርሕን እኳ እንተነበረ፣ ኤርትራን ጂቡቲን ምስ ቀጠር ዝነበረን ዝምድና ኣብ 2017 ብምዝሕታለን፣ እቲ መስርሕ ደው ከምዝበለ ይዝከር።

እቲ መስርሕ ናብ ሕቡራት ሃገራት ወይ ድማ ናብ ናይ ስዑዲ ሽምግልና ንምስግጋሩ መደብ ከምዘሎ’ውን ይጥቀስ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፣ ንክልቲኦም መራሕቲ ንምርኻብን ናይ ዕርቂ መስርሕ ንምጅማርን ድሌት ከምዝለዎ ብግብሪ ኣርእዩ።

እንተኾነ ዛጊት ቀጥታዊ ዝርርብ ክልትኦም ፕረዚደንታት ይኹን ብመንገዲ ሸምገልቲ ዝተበጽሐ ምርድዳእን ዝተኸተመ ስምምዕን የለን።

ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክራኸብ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ይግለጽ እኳ እንተነበረ፣ መዓስን ኣበይን ኣይተመልከተን።

ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ለካቲት፣ ብመንጎኝነት ስዑዲ ዓረብ፣ ንክልቲኦም መራሕቲ ንምርኻብ መደብ ከምዘሎ’ውን እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ኣንፊቶም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ብምኽንያት ሞት ሱልጣን ዖማን፣ ቓቦስ ቢን ስዒድ ኣል ስዒድ፣ ናይ ሓዘን መግለጺኡ ንምብጻሕ፣ ትማሊ 12 ጥሪ ናብታ ሃገር ኣትዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0