“ኤርትራ፣ ካብ ኢማራት ናብ ጀነራል ሓፍታር ንዝልኣኽ ኣጽዋር መሰጋገሪት ትኸውን ኣላ።” መንግስቲ ሊብያ

Radio Erena: 24 February 2020

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዛ ልዕሊ 100 ዝኸውን ጽዕነት ኣጽዋር ናብቲ ብጀነራል ሓፍታር ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ከምዝልኣኸት ብሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦ ዘለዎ መንግስቲ ሊብያ ወቒሱ።

ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ፣ ኣናዱሉ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እቲ መንግስቲ ሎሚ 24 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣስታት 6200 ቶን ዝግመት፣ ዝተፈላለየ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ካብ ኢማራት ተበጊሰን ንኤርትራ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ ከም መሰጋገሪ ወይ ትራንዚት ተጠቒመን ይመጻ ከምዘለዋ’ዩ ጠቒሱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንኤርትራ ከም መሰጋገሪ እናተጠቕመት ናብ ጀነራል ሓፍታር ኣጽዋር ምልኣኻ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሊብያ ዝተነብረ፣ ብውሳነ 1970 ዝፍለጥ እገዳ ኣጽዋር ዝጥሕስ ምዃኑ መግለጺ መንግስቲ ሊብያ ኣመልኪቱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንጀነራል ሓፍታር ንምድጋፍ፣ ብነፈርቲ ናብ ሊብያ እትልኮ ዘላ ኣጽዋር፣ ንመዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ ከም መሰጋገሪ ትጥቀመሉ ምህላዋ ሬድዮ ኤረና ኣብ ናይ 20 ጥሪ ፈነወኣ ምቅልሓ ዝዝከር’ዩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ኣብ ከባቦ ኣቡዳቢ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣልዛፍራ ዝተበገሳ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ፣ ኣብ ዓሰብ ድሕሪ ምዕራፈን፣ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ተኸቲለን፣ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ከምዝኣትዋን፣ ካብኡ ድማ ናብ ሊብያ ከምዝሰርግራን’ዩ ተጠቒሱ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ግብጺ፣ ኣንጻር’ቲ ብሕቡራት ሃገራት ተፈላጥነት ዘለዎ ብፈይዝ ኣል ሲራጅ ዝምራሕ ወግዓዊ መንግስቲ ሊብያ ንዝዋጋእ ዘሎ ጀነራል ሓፍታር ክድግፋ እንከለዋ፣ ቱርኪን ቀጠርን ድማ ነቲ መንግስቲ ከምዝሕግዛ ይፍለጥ።

ኣብ የመን ዘካየድኦ ኵናት ዓወት ክሰልጠን ዘይክኣለ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ንኤርትራ ከም መደበር ሎጂስቲክን መናሃርያ ህጹጽ ስርሒታትን ክጥቀማላ ጸኒሐን’የን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣንጻር መንግስቲ ሊብያ ንዝካየድ ኵናት እትልእኮ ድጋፍ፣ ዓሰብ ከም መሰጋገሪ ትጥቀመላ ከምዘላ’ዩ ተቓሊዑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0