መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን ስምምዕ ከቲሙ

Radio Erena: 24 February 2020

መሰጋግሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሰውራዊ ግንባር ዝተጠርነፉ ዝተፈላለዩ ውድባት ምብራቕ ሱዳን ስምምዕ ከቲሙ።

እቲ ብ21 ለካቲት ከምዝተኸተመ ዝተገልጸ ስምምዕ፣ እቲ ካብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ማእከላይ መንግስቲ ከምዝተሃመሸ ዝጠቅስ ዞባ ምብራቕ ሱዳን፣ ብማዕረ ዝሳተፈሉ ዕድል ንምፍጣር’ዩ ዝዓለመ ምዃኑ ተጠቒሱ።

እቲ ኣብ ጁባ ዝተኸተም ስምምዕ ብዘይካ’ዚ፣ ምብራቕ ሱዳን ምስ ካልእ ዞባታት እታ ሃገር ምዕሩይ ቁጠባውን ልምዓታውን ምምቅራሕ ክህልዎ ዝሕግዝ’ዩ።

እቲ ስምምዕ ነቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ጸገማት መፍትሒ ዘናድዩ ክብል ኣፈኛ ናይቲ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዝወከለ ጉጅለ መሓመድ ኣል ሓሰን ኣል ጣይሲ ኣገንዚቡ።

ካልኦት ኣብዚ ስምምዕ ዘይተረኽቡ ዕጡቃት’ውን ክጽንበሩ ተላብዩ።

ካብ ወገን ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን ዖሳማ ሰይድ ብወገኑ፣ እቲ ስምምዕ ህዝቢ ምብራቕ ሱዳን ብገዛእ ርእሲ ክመሓደር ዝሕግዝ’ዩ ክብል ጠቒሱ።

ብቤጃን ራሻይዳን ዝተዓብለለ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ካብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ምዕባለን ሱዳን ተነጺሉ’ዩ ብዝብል፣ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ክሳብ ብረታዊ ጎነጽ ዝኸደ ተቓውሞ ከካይዱ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ እዋን ስርዓት በሺር፣ ቅድሚ 15 ዓመታት ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ነዊሕ ከይቀጸለ ከምዝፈሸለ ይዝከር።

ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ድማ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ነባሪ ፍታሕ ከይተረኽቦ ክቕጽል ጸኒሑ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0