ኤርትራ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሆስፒታላት ክእለዩ ዝጸንሑ ውጉኣት ኢትዮጵያውያን ወትሃደራት ናብ ዓዶም ተፋንዮም

Radio Erena: 14 November 2022

ኣብ ኤርትራ ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሆስፒታላት ክእለዩ ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ወትሃደራት ብነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ዓዶም ተፋንዮም።

እቶም ኣብ ባረንቱ፣ ተሰነይ፣ ከረን፣ ኣስመራን ዓሰብን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታላትን ግዝያዊ መእለዪ ውጉኣትን ክሕከሙ ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ወትሃደራት በብእዋኑ ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ ዝሓበሩ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኤረና፣ ብ02 ሕዳር ድማ ከቢድ መውጋእቲ ዘለዉም 10ታት ካብኣቶም፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፣ ብነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝገዓዙ ሓቢሮም።

ኣብ ክልል ትግራይ፣ ዳግም ተወሊዑ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዝቐጸለ ኵናት ዝተወግኡ ኣማኢት ወትሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብሓባር ኣብ ሆስፒታላት ኤርትራ ይእለዩ ከምዘለዉ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ፈኵስ ጉድኣት ንዝበጽሖም ወትሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝእለይሉ ግዝያዊ ማእከላት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣቝሙ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ ኵናት ንዝተወግኡ ወትሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምሕካም ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ፣ ብዝሒ ደም ስለዘድለየ፣ ብሃገር ደረጃ ደም ናይ ምልጋስ ወፍሪ ክካየድ ከምዝጸንሐን ይቕጽል ከምዘሎን እቲ ናብ ሬድዮ ኤረና ዝተላእከ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0