ሶማል፣ ፕረዚደንት ናብ ኤርትራ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ድማ ናብ ጂቡቲ ዑደት ኣካይዶም

Radio Erena: 14 November 2022

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ምምላስ እቶም ካብ 2019 ኣትሒዞም ኣብ ኤርትራ ተዓጊቶም ዝርከቡ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሃገሩ ንምዝታይ ኣብ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ካብ 10 ሕዳር ኣትሒዙ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ተሰንዩ ኣብ ሓይልታት ምድሪ፣ ኣየርን ባሕርን ይስልጥኑ ኣለዉ ንዝተባሃሉ ሶማላውያን በጺሑ።

ፕረዚደንት ሓሰን፣ ኣብ ወርሒ መስከረም ናብ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ኣብ ሶማል ተፈጢሩ ብሰንኪ ዘሎ ፖለቲካዊ ምክፍፋል፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቶም ሶማላውያን ወትሃደራት ናብ ዓዶም ክሰዶም ፍቓደኛ ከምዘይኮነ’ዩ ኣመልኪቱ።

ኣመሪካ ኣብ ምምላስ እቶም ኣብ ኤርትራ ተዓጊቶም ዘለው ሶማላውያን ክትተሓባበሮ ድማ ብወግዒ ሓቲቱ።

ኣብ 23 ግንቦት 2022 ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ሓሰን፣ ነቶም ንልዕሊ 3 ዓመታት ተዓጊቶም ዘለዉ ወትሃደራት ሃገሩ ንምምላስ ዝዓለመ መደብ ሒዙ ናብ ኤርትር ክበጽሕ ኣብዚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ወለዲ እቶም ወትሃደራት፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ዝኣተዎ መብጽዓ ምምላስ እቶም ወትሃደራት ክትግበር እንተዘይኪኢሉ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክውድቡ ምዃኖም የጠንቅቑ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሃምዛ ዓብዲ ባረ ኣብ ጂቡቲ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ 7 ሕዳር ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ ሰለስተ መዓልታት ምስ ጸጥታውን ወትሃደራውን መደባት ንምትሕግጋዝ ኣብ ዘኽእል ዛዕባታት ብምትኳር ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ተመያይጡ።

ንሱ ምስቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ብተወሳኺ፣ ጂቡቲ፣ ብዘይካ’ቲ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ዝተሓቖፈ ኣስታት 3 ሽሕን 500 ወትሃደራት ናብ ሶማል ምውፋራ፣ ድሕሪ’ቲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዝተፈጸመ፣ ልዕሊ 120 ሰባት ዝቐተለን ኣስታት 300 ድማ ዘቑሰለን መጥቃዕቲ ሞቛድሾ’ውን ሓካይምን ቀዳማይ ረዲኤትን ምልኣኻ፣ ብስም መንግስትን ህዝብን ሶማል ኣመስጊኑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ባረ፣ ጂቡታዊ መዘንኡ ዓብደልቃድር ካሚል መሓመድ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት’ዩ ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0