ኤርትራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት 32 ኣመንቲ ክርስትና ጴንጠቖስጣል ከምዝተኣስሩ ተሓቢሩ

ኤርትራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት 32 ኣመንቲ ክርስትና ጴንጠቖስጣል ከምዝተኣስሩ ተሓቢሩ

Radio Erena: 02 April 2018

Asmara Karsheli

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ መርዓውቲ ዝርከብዎም 32 ኣመንቲ ክርስትና ጴንጠቖስጣል ከምዝኣሰቱ ዎርልድ ዎች ሞኒተር ምንጭታቱ ካብ ኣስመራ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ብመሰረት ናይቲ ምንጪ ሓበሬታ፣ እቶም መርዓውትን 10 ኣሰነይቶምን ኣብ እዋን ሕጽኖቶም ኣብ ገዛ ተኣኪቦምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፣ ኣባላት ጸጥታ ኤርትራ፣ “ብሕቡእ ተኣኪብኩም ጸሎት ከተካይዱ ኢኹም ሓሲብኩም” ብዝብል ብ5 መጋቢት ናብ ቤት ማእሰርቲ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ወሲዶሞም።

እንተኾነ ነቶም ሸሞንተ ንጽባሒቱ ክፈትሕዎም እንከለዉ፣ መርዓውቲ ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት ግና ናብ ዓዲ ኣቤቶ ተወሲዶም እቶም ሰለስተ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ።

ድሒሩ እታ መርዓት ኣብ 27 መጋቢት ካብ ዓዲ ኣቤቶ ተፈቲሓ።

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ፣ ኣብ25 መጋቢት’ውን ኣብ ናይ ገዛ ጸሎት ንዝነበሩ 20 ኣመንቲ ጴንጠቆስጣል ክርስትና ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከምዝኣሰርዎ እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከምዘነጽሮ፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2017 ጥራይ፣ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ኣመንቲ ጴንጠቖስጣል ክርስትና ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተቐይዶም።

ኣብ ኤርትራ ካብ 2002 ኣትሒዙ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ኣመንቲ ዝተፈላለያ ኣብያተክርስትያን ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጕኖም ግዳያት ስቓይን ሞትን ይኾኑ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

 

ስእሊ፣- ኢንተርነት ኣርካይቭ

===========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0