ጅቡቲ፣ ሓድሽ ናይ ኮንተይነር ተርሚናል ንምህናጽ ምስ ፈረንሳ ትዝቲ

ጅቡቲ፣ ሓድሽ ናይ ኮንተይነር ተርሚናል ንምህናጽ ምስ ፈረንሳ ትዝቲ

Radio Erena: 02 April 2018

Djibouti container terminal

መንግስቲ ጅቡቲ፣ ኣብ ናይ ኮንተይነር ተርሚናል ዘተኮረ ሓድሽ ናይ ወደብ ኣገልግሎታት ንምስፋሕ ምስ ናይ ፈረንሳ ኩባንያ CMA CGM ትዝቲ ከምዘላ ተሓቢሩ።

እቲ 660 ሚልዮን ዶላር ተገሚቱ ዘሎ ሓድሽ ፕሮጅከት ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት እዚ ጀሚሩ ኣብ ክልተ ዓመታት ክዛዘም ትጽቢት ከምዘሎ ኣቦመንበር በዓል መዚ ወደብን ናጻ ዞባን እታ ሃገር ኣቡበክር ዑመር ሓዲ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ጅቡቲ ኣብ ናይ ኮንተይነር ተርሚናል ዘድሃበ መደባት ተስፍሕ ዘላ፣ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ንምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዝርጋሕ ኣገልግሎታት ወደብ ንምዕባይ’ዩ።

እታ ሃገር ኣቐዲማ ምስ DP World ናይ ዱባይ ዝነበራ ናይ ወደብ ዶራለ ናይ ኮንተይነር ተርሚናል ኣገልግሎታት ስምምዕ ድሕሪ ምስራዛ፣ ንናይ ሲንጋፖር ኩባንያ መጓዓዝያ ባሕርን ኣገልግሎታት ወደብን ከምዝረከበቶም ይዝከር።

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሱዳንን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊልናድን ናይ ወደብ ኣገልግሎታትን ንምስፋሕ ምስ ሃገራት ዓረብ ናይ ቢልዮናት ስምምዕ ክኽትማ እንከለዋ፣ ጅቡቲ ከኣ ጠመትኣ ናብ ሃገራት ርሑቕ ኤስያን ምዕራብን ኣዘዝያ ትርከብ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝርከብ ወደባት፣ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ናይ ቁጠባ ኣገልግሎታቱ ዛሕትሉ ዝርከብ ወደባት ኤርትራ ምዃኑ’ዩ ዝንገር።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0