“ኤርትራ፣ ኣብ እዋን ለበዳ ኮረና ቫይረስ’ውን እንተኾነ፣ ክታበት ቆልዑ ብ14% ወሲኹ።” UNICEF

Radio Erena: 21 June 2021

ዓለምና ብለበዳ ኮረና ቫይረስ ብኸቢድ ኣብ ዝተጸልወትሉ ዓመተ 2020፣ ኣብ ኤርትራ፣ ክታበት ቆልዑ ከምዘይተሰንኸለ UNICEF ገሊጹ።

ኣብ 2019 ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ቆልዑ (1,310,410) ክበታት ክወሃቦም እንከሎ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ከቢድ ጽልዋ ኣብ ዝፈጠረሉ ጽንኩር ዓመተ 2020 ድማ ዝተኸትቡ ቆልዑ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ( 1,495,838 ) ከምዝበጽሑ እቲ ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ፣ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣነጺሩ።

ኣብ 2020 ኣብ ኤርትራ ክታበት ዝረኸቡ ቆልዑ ቅድሚ ካብ ዝነበረ ዓመት፣ ብልዕሊ 180 ሽሕ (185,428) ወይ ድማ ብ14% ዛይዱ ማለት’ዩ።

እዚ ድማ ሳላቲ’ቲ UNICEF ዝቐረቦ ክታበታትን ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ድማ ማእከላት ክታበት ኣብ ምውዳብ ህዝቢ ኣብ ምንቃሕን ዝገበሮ ጻዕሪ ምዃኑ እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል ኣሞጕሱ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ርሕቕ ገጠራት’ውን እንተኾነ፣ ሳላ ዘሎ ናይ ጥዕና ማእከላትን፣ ክታበታት ዝኽዝንን ዘበጻጽሕን መዝሓሊ ናውቲን፣ እቲ ናይ ክታበት መስርሕ ብዘይመሰናኽል ምካያዱ’ዩ ተመልኪቱ።

ብመሰረት UNICEF ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ኣብ መላእ ኤርትራ፣ ክታበት ዝኽዝንን ዘበጻጽሕን 496 መዝሓሊ ናውቲ ክህሉ እንከሎ፣ እቲ 348 ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ’ዩ።

ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ 295 ማእከላት ጥዕና፣ ኣብዚ ናይ ቆልዑ ክታበት ንጥፈታት ከምዝዋስኣ’ውን እቲ ትካል ብተወሳኺ ኣገዚቡ።

UNICEF፣ ካብ 2014 ኣትሒዙ፣ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ፣ ኣገደስቲ ክታበታት ቆልዑ ዝጸዓና ነፍርቲ ብፍሉይ ናብ ኤርትራ ክልእኽ ጸኒሑ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታትን ሕማም ውጽኣትን ንዝተጠቕዑ 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ቆልዑ፣ ቫይታሚናት መሰረታዊ ሕክምናን ከምዝሃበ ይጠቕስ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0