“ኣብዛ ዓለም፣ ልዕሊ 82 ሚልዮን ህዝቢ ኣባይቱ ሓዲጉ ተሰዲዱ።” UNHCR

Radio Erena: 21 June 2021

ኣብ 2020፣ ብሰንኪ ኵናት፣ ምግፋዕን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ቤት ንበርቱ ራሕሪሑ ናይ ዝተሰደ ህዝቢ ብዝሒ 82.4 ሚልዮን ከምዝበጽሐ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት- UNHCR ኣፍሊጡ።

ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጸጻር እንከሎ፣ ብ4% ከምዝወሰኸ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብምኽንያት’ቲ ብ20 ሰነ ተዘኪሩ ዝወዓለ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ጠቒሱ።

48% ናይቲ ናብ ዝመዛበልን ዝስደድን ዘሎ ክፋል ህዝቢ፣ ቆልዑን መንእሰያትን’ዮም።

ኣብዚ 10 ዓመታት፣ ብዝሒ ስደተኛታት ብኣስታት ፍርቂ ከምዝወሰኸ ዝገልጽ UNHCR፣ ነዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ ብዝሒ መፍትሒ ንምንዳይ መራሕቲ፣ ሓባራዊ ቆራጽ ውሳኔታት ክወስዱ ይምሕጸን።

ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ቬኔዙዌላ፣ ዝተኸስተ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት፣ ብዝሒ ስደተኛታት ከፍሪ እንከሎ፣ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዘን ብስደት ግኑን ስም ዝጸንሐን፣ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ካብዚ ምስሊ’ዚ ኣይተኣልያን።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደገኛ ኩነታትን ኣብ ዝቕጽል ዓመታት፣ ብዝሒ ስደተኛታት ከፍሪ ከምዝኽእል’ውን ብኣግኡ ይዝረበሉ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0