ኤርትራ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃናጺ ኣበርክቶ ክህልዋ ንምትብባዕ ዝዓለመ ርክብ ፕረዚደንታት ኬንያን ኤርትራን ተኻይዱ

Radio Erena: 09 February 2023

ኤርትራ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃናጺ ኣበርክቶ ክህልዋ ዝዕድም ዘተ ፕረዚደንታት ኬንያን ኤርትራን ምክያዱ መርበባት ዜና ገሊጸን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኬንያዊ መዘንኡ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፣ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ንምክያድ ብ08 ለካቲት ናብ ናይሮቢ ድሕሪ ምእታዉ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊን ዞባውን ጉዳያት ከምዝተመያየጡ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ዘተ፣ ካብ ሃናጺ ዞባዊ ጉዳያት ተነጺላ እትርከብ ኤርትራ፣ ናብ ንጡፍ ኣባልነት ውድብ ናይ መንግስታት በይናዊ በዓል ስልጣን ወይ ኢጋድ ንኽትምለስ፣ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ዊልያም ሩቶ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ወግዓዊ ዕድመ ከምዘቕረበ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

ምስ ኵናት፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምልካዊ ምሕደራን ብዝተሓሓዝ፣ ኣህጉራዊ ጸቕጢን ተደጋጋሚ እገዳታትን ዝተገብረሉ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዞባውን ኣህጉራውያን ጉዳያት ተነጺሉ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብምርጫ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፣ ኣብ ታሕሳስ 2022 ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ምዝታዩ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣስታት 20 ዓመታት፣ ብዘይካ ናብ ውሱናት ሃገራት ዓረብ፣ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ዑደታት ከካይድ ዘይጸንሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ናብ ኬንያ ክበጽሕ ኣብዚ ሓሙሽተ ዓመታት ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያት ብምትኳር ኣብ ዘካየድዎ ምይይጥ፣ ዜጋታት ክልቲኤን ሃገራት ካብን ናብን ብዘይቪዛ ዝንቀሳቐስሉ ከምኡ ድማ ናይ ወፍሪን ንግዲን ተኽእሎታት ከምዝተላዕለ’ዩ ተሓቢሩ።

ኬንያ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኣልሸባብ ይድግፍ ኣሎ ብዝብል ወቐሳ፣ ኤርትራውያን ናብ ኬንያ ብዘይቪዛ ክኣትዉ ዝፈቅድ ውሳኔ፣ ቅድሚ 15 ዓመታት ከምዝሰረዘቶ ይዝከር።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራን ኬንያን፣ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ከምዝድግፉ ይፍለጥ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0