ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ትግራይ ክዋፈር ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ተገሊጹ

Radio Erena: 09 February 2023

ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ትግራይ ክዋፈር ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝገለጸ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ዘካየድዎ ናይ ፈለማ ርክብ፣ ብ06 ለካቲት ምስ ማዕከናት ዜና ክልል ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ እዩ።

ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ብምስፋር ጸጥታን ድሕነትን ናይቲ ክልል ክሕልዉ ምዃኖም ኣረዲኡ።

ንትግባረ ናይቲ ስምምዕ ስዒቡ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ይወጽእ ምህላዉ እኳ እንተኣመተ፣ ገና ዝተረፉ ወተሃደራት ከም ዘለዉ’ዩ መራሒ ናይቲ ንህወሓት ዝወከለ ጉጅለ ስምምዕ ሰላም ዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ሓቢሩ።

‘ሓይልታት ኤርትራ ብብዝሒ ይወጹ እኳ እንተለዉ፡ ገና ኣብ ገጠራትን ገለ ከባቢታትን ዝተረፉ ንኣሽቱ ኣሃዱታት ብምህላወን ዝግባእ ኣተኩሮ ክግበረሉ ይግባእ።’ ክብል ኣስሚርሉ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ትግራይ፣ ንኹሎም ወገናት ዘሳትፍ፣ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ሓጺር እዋን ክምስረት፣ ኣካል ናይቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተዘተየሉ ነጥብታት ምዃኑ ኣቶ ጌታቸው ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።

ኣብ 02 ሕዳር 2022 ንዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ስዒቡ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዝተገብረ ርክብ፣ ትግባረ ናይቲ ውዕል ዝተገምገመሉን ዝቕጽል መደባት ዝተሓንጸጸሉን ምንባሩ ዘመልከተ ኣቶ ጌታቸው፣ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ናይ ምቛም መደብ ሓደ ካብ ቀንዲ ነጥብታት ምንባሩ ኣነጺሩ።

ምቛም ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣካል ናይቲ ስምምዕ ደኣ ይኹን’ምበር፣ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት፣ ንነዊሕ ግዜ ክውጥኖ ዝጸንሐ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ቀሪቡ።

ንኢትዮጵያ፡ ብዓብላልነት ሰልፊ ኢህወደግ፡ ን27 ዓመታት ዝመርሐ ህወሓት፣ ካብ 2018 ንደሓር ካብ ስልጣን ፈደራል መንግስቲ እታ ሃገር ምስተኣልየ’ውን፣ ንክልል ትግራይ ብሒቱ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ኢትዮጵያ 2020 ክካየድ ዝተወጠነ ምርጫ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ድሕሪ ምስግጋር’ውን እንተኾነ፣ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት፣ በይናዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብ ዘካየዶ መስርሕ፣ ብዓብላሊ ድምጺ ከምዝተዓወተ ብምጥቃስ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ምውሳኑ ኣይርሳዕን።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0