ኤርትራ፣ ብላዕለዋይ በዓል ስልጣን ስዑዲ ንዝተዋህበ መግለጺ ነጺጋ

Radio Erena: 16 January 2020

Issaias and Salmanመንግስቲ ኤርትራ፣ ሚኒስተር ዴታ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣሕመድ ካታን፣ ብዛዕባ ስምምዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ፣ ንዝሃቦ መግለጺ ነጺጉ።

እቲ ሚኒስተር ዴታ፣ ኣብ ናይ 9 ጥሪ ሕታም ጋዜጣ ኣልሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝጎሃሃር ግጭታት ንምፍታሕ ንእተካይዶ መሪሕ እስላማዊ ተርኣ፣ፈላሚ መርኣያኣ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ምቅርራብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝነበራ ኣበርክቶ እኳ እንተይከሓደ፣ ሚኒስተር ዴታ ስዑዲ ዝሃቦ መግለጺ ግና፣ ምስ ኣመዓባብላን ሓቂታትን ናይ’ቲ ታሪኻዊ ስምምዕ ዝዀነ ምትእስሳር ዘይብሉን፣ ንኣፍሪቃን ብኣፍሪቃ ዝተመዝገቡ ዓወታትን ነፊጉ ዘየሎ ዛንታ ዝጸዊ ዘይግቡእ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንምስሊ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ’ውን ብኣሉታ ዝጸሉ’ዩ ክብል ነጺግዎ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኤርትራ እትርከቦ ኪዳን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሸሞንተ ሃገራት ብ6 ጥሪ ኣብ ርያድ ምቛማ ይዝከር።

ኤርትራ፣ ብስዑዲ ኣብ ዝተጋብአ፣ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘዋስነን ሃገራት ክትሳተፍ ንመጀመርያ እዋን ምዃኑ’ዩ።

ሚኒስተር ዴታ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣሕመድ ካታን’ውን ብዛዕባ’ዚ ቤት ምኽሪ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘዋስነን ሃገራት ዝተሰምየ ኪዳን ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ’ዩ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብተበግሶ ስዑዲ ዓረብ ከምዝተቐራረባ ዝእንፍት መግለጺ ዝሃበ።

ድሕሪ’ቲ ናይ ሰላም ተበግሶ፣ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፣ ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብታ ሃገር ዝልዓለ ናይ ክብሪ ሽልማት ከምዝዓደሎም ኣይርሳዕን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0