ምርጫ ኢትዮጵያ ተሰጋጊሩ

Radio Erena: 15 January 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንወርሒ ግንቦት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ምርጫ እታ ሃገር፣ ብኣርባዕተ ኣዋርሕ ተናዊሑ።

ሓላፊት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብርቱኳን ሚደቕሳ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ መንግስቲ ይኹን ፖለቲካውያን ሰልፍታት፣ እኹል ምድላው ስለዘይገበራ፣ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት ናብ 16 ነሓሰ ከምዝተሰጋገረ ኣረዲኣ።

ውጽኢት ምርጫ ድማ ካብ 17 ክሳብ 26 ነሓሰ ኣብ ዘሎ ክሕበር’ዩ።

ይኹን’ምበር ተሓቢሩ ዘሎ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት ግዝያዊ ተባሂሉ ተጠቒሱ ምስ ምህላዉ፣ እንደገና ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ተኽእሎ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ እቲ ምርጫ ኣብ ዝተመደበሉ ዕለት ክካየድ ምዃኑ’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

ኣብ ናይ ብሄር ግጭታት ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት ከተካይዶ ንዝወጠነት ምርጫ፣ ናብ ዝበኣሰ ከይዓርግን ነታ ሃገር ናብ ምሉእ ውድቀት ከየምርሓን ተሰጊኡ’ዩ ጸኒሑ።

ምስግጋር እቲ ምርጫ፣ ንመንግስትን ፖለቲካውን ሰልፍታትን ምድላዋት ክገብሩ ዝሕግዝ’ዩ ዝብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ እኳ እንተለዉ፣ ኣብ ስልጣን ንዘሎ መንግስቲ፣ ብጉልባብ “ኣይተዳለናን” ናብ ምልኪ ክዛዙ ኣፍደገ ዝኸፍት’ዩ እናበሉ ዝነቕፍዎ’ውን ብዙሓት’ዮም።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0