ኤርትራ፣ ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ

ኤርትራ፣ ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ

Radio Erena: 19 September 2018

berhane abrehe1ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ህዝቢ ዝተዘርገሐት ‘ኤርትራ ሃገረይ’ እትብል መጽሓፍ ዝጸሓፈን፣ ንፕረዚደንት ኢሰያስ ብቕሉዕ ዝነቐፈን ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ምስ ተወስደ ሃለዋቱ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ተቐዪዱ ከምዘሎ’ዩ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘመልክት።

 

ከምዝፍለጥ፣ ሚኒስተር ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፣ ብዕለት 1 መስከረም ብድምጹ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ከካዪድ፣ ስልጣኑ ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ከረክብ፣ ህዝቢ ከኣ ደሞክራስያዊ መሰሉ ንምርግጋጽ ከም ወትሩ ሓይሉ ከዕዝዝ ተላብዩ’ዩ።

ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፣ ነዚ መጸዋዕታ’ዚ ከቕርብ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣብ ልዕሊኡ ዝወስዶ ስጉምቲ ኣቐዲሙ ፈሊጡዎ ብምንባሩ፣ ነብሱ ንመስዋእቲ ዝበጀወ’ዩ ክብሉ ፖለቲከኛታት ኤርትራ ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0