ኤርትራ፣ ፍኑው ናይ ዕዳጋ ምልውዋጥ፣ ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ ምዝንባዕ ኣምጺኡ

ኤርትራ፣ ፍኑው ናይ ዕዳጋ ምልውዋጥ፣ ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ ምዝንባዕ ኣምጺኡ

Radio Erena: 19 September 2018

medabahti meskeremኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ፍኑው ናይ ዕዳጋ ምልውዋጥ፣ ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ ምዝንባዕ ኣምጺኡ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ብወግዒ ምስ ተኸፍተ ዝጀመረ ናይ ዕዳጋ ምልውዋጥ፣ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ካብ እኽሊ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ህንጻ መሳርሒታት ክኸውን እንከሎ፣ ብኣንጻሩ ከኣ ካብ ኤርትራ ኤለክትሮኒካዊ ኣቑሑ ብብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ይኸይድ ከምዘሎ ይግለጽ።

እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ቁጠባዊ ኩነታቱ ተዳኺሙ ስለዝጸንሐ፣ ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ብጣዕሚ ትሑት ኮይኑ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

 

ብተወሳኺ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ሃገራዊ ባንክ ንባጤራ ሓድሕደን ዝትምን መስርሕ ብዘይምኽታሉ፣ ህዝቢ ብናይ ሳልሳይ ሃገር ባጤራ ማለት ብዶላር ክትምን ይግደድ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ንግድን ዕዳጋን ከቢድ ቁጽጽር ብምክያድ፣ ናይ ሰደድን እትዋትን ዓቕሚ ኤርትራ ከምዝዳኸም ገይሩ ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ብነኣሽቱ ነጋዶ ዶብ ሰጊሩ ዝካየድ ንግዲ ምፍቃዱ፣ ንህዝቢ ግዚያዊ ሩፍታ ዝህብ ደኣ ይምሰል እምበር ጉድኣቱ ድሮ ክረኣይ ጀሚሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ይገልጹ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እውን ህዝቢ ናይ ወጻኢ ባጤራ ስለዘይብሉ፣ ንጥንታዊ ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ብዝመስል መንገዲ፣ ንብረት ብንብረት ክለዋወጥ ይረአ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0